ማሕበር መማህራን ጨንፈር ዞባ ጋሽ-ባርካ፡ ኣወዳድባኡ ብምሕያል ተራ መማህራን ኣብ ምርግጋጽ ብቕዓት ትምህርቲ ንምዕባይ ኣበርቲዑ ይሰርሕ ከምዘሎ፡ ኣብ ከተማ ባረንቱ ኣብ ዝተገብረ ርክብ ኣረጋጊጹ።

ኣቦ-መንበር’ቲ ጨንፈር መምህር ዩሱፍ ዳኒክ፡ ዕላማ ማሕበር፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ንዝነጥፉ መማህራን ብምጥርናፍ ሞያዊ ኣበርክቶኦም ንምዕዛዝን ብቕዓቶም ንምሕያልን ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ነዚ ንምስማር ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብምትሕብባር ይስራሓሉ ከምዘሎ ገሊጹ።

ኣቦ-መንበር ሃገራዊ ማሕበር መማህራን ኤርትራ መምህር ስምኦን መሓሪ ብወገኑ፡ መማህራን ዝተሰከምዎ ረዚን ሓላፍነት ብግቡእ ተገንዚቦም ብቑዕን ተወዳዳሪን ወለዶ ንምህናጽን ጽልዋኦም ንምስራጽን ክሰርሑ ትጽቢት ከምዝግበረሎም ኣገንዚቡ።

ጸሓፊ ህግደፍ ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ ኣቶ ብርሃነ ክፍለ ድማ፡ ሞያ ምምህርና ምስ ምህናጽ ሕብረተሰብ ዝተኣሳሰር ብምዃኑ፡ መማህራን ኣርኣያ ክኾኑን ውዳበ ማሕበሮም ኣሐዪሎም ኣብነታዊ ስራሕ ክሰርሑን ኣዘኻኺሩ።

ኣብ’ቲ ኣጋጣሚ፡ ኣብ ኣተኣላልያን ምዂስኳስ ስነ-ምግባርን ተመሃሮ ዘተኰረ ኣስተምህሮ ተዋሂቡ።

Categories