ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ – ንኡስ ዞባ ጎልጅ፡ ዘመናዊ ሕርሻ ብምስፋሕ እቶትን እቶታውነትን ክብ ንምባል ጻዕርታት ይካየድ ከምዘሎ፡ ሓላፊ ቊጠባዊ ልምዓት ናይ’ቲ ንኡስ ዞባ ኣቶ ዳኒኤል ወልዳይ ሓቢሩ።

ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ ልዕሊ 210 ሽሕ ሄክታር ክለምዕ ዝኽእል መሬት ከምዘሎ፡ ነቲ ዛጊት ኣብ መዓላ ዘይወዓለ ንምልማዕ ድማ መንግስቲ ኣድላዪ ትሕተ-ቅርጺ ብምውዳድ ይነጥፍ ምህላዉ ዝጠቐሰ ኣቶ ዳኒኤል፡ ድሮ ክልተ ሄክታር ንነበርቲ ከምእተዓደለን 100 ሽሕ ዝግመት ሄክታር ተሓሪሱ ከምዘሎን ገሊጹ።

ንኵነታት ጥሪት ብዝምልከት ድማ፡ ምንጪ ማየንን ጥዕናአንን ተዋሒሱ ኣብ ጽቡቕ ደረጃ ከምዝርከባን፡ ዶብ-ሰገር ሕማማት ንምክልኻል ዕቱብ ምክትታል ከምዝግበረለንን ኣብሪሁ።

ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ ዝርከባ ክልተ ዓበይቲ ዲጋታት ገርሰትን ባደሚትን ከምኡ’ውን 14 ራህያታት፡ ኣብ ምምዕባል መስኖኣዊ ሕርሻ ኣስተዋጽኦ ይገብራ ምህላወን፡ ንመገሃጫ ጥሪት ዝተኸለለ 12 ሽሕ ሄክታር ድማ፡ ኣብ ምስሳን እንስሳታት ዘቤትን ዘገዳምን ብቐሊሉ ዘይጥመት ኣበርክቶ ከምዘለዎ’ውን ኣረዲኡ።

ካብ ኣስመራ ኣስታት 400 ኪሎ- ሜተር ርሒቓ እትርከብ ንኡስ ዞባ ጎልጅ፡ ብሕርሻ፡ መጓሰን ንግዲን ዝናበር ኣስታት 120 ሽሕ ህዝቢ ኣለዋ።

Categories