ኣብ ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ – ንኡስ ዞባ ማእከል ደንካልያ፡ ኣብ ዝሓለፈ ናይ ናጽነት ዓመታት ዝርግሐ ትካላት ትምህርቲ ንምስፋሕ ዝተኻየደ ጻዕሪ፡ ኣብ ዕብየት ተሳታፍነት ተመሃሮ ብሓፈሻ፡ ደቂ-ኣንስትዮ ድማ ብፍላይ ዓቢ ግደ ይጻወት ኣሎ።

ሓላፊ ኣገልግሎት ትምህርቲ ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ መምህር ዓብዱልቃድር ሬዶ ንኤሪና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ነፍሲ- ወከፍ ዜጋ ዕድል ትምህርቲ ንኽረክብ፡ መንግስቲ ክሳብ’ቲ ዝረሓቐ ከባቢታት ትካላት ትምህርቲ ብምውዳዱ፡ ወለዲ ንደቆም ኣብ ግቡእ ዕድመኦም ናብ መኣዲ ትምህርቲ ክልእኹ ከምዝሓገዘ ገሊጹ። ናይ ሎሚ ዓመት ሓፈሻዊ ቊጽሪ ተመሃሮ ካብ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ብ10 ሚእታዊት፡ ናይ ደቂ- ኣንስትዮ ድማ ብ3 ሚእታዊት ከምዝወሰኸ’ውን ኣረዲኡ።

ምኽፋት ናይ 2ይ ደረጃ ቤት- ትምህርቲ ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ፡ ንቐጻልነት ተመሃሮ ከም ዘተባብዐ ዝሓበረ መምህር ዓብዱልቃድር፡ ወለዲ’ውን ብመንገዲ ትምህርቲ ንዓበይቲ፡ መሃይምነት ንምጥፋእ ከንብቡን ክጽሕፉን ኣብ ዝኽእሉሉ ደረጃ ከምዝበጽሑ ኣፍሊጡ።

ኣብ ንኡስ ዞባ ማእከል ደንካልያ፡ ኣገልግሎት ቅድመ-ትምህርቲ፡ መባእታ፡ ማእከላይን ካልኣይን ደረጃታት ዝህባ 15 ኣብያተ-ትምህርቲ ኣለዋ።

Categories