ነበርቲ ሚዕድር – ንኡስ ዞባ ኣራዕታ፡ ኣብ ከባቢኦም ዝርከብ ታሪኻዊ ቦታታት ንምዕቃብ፡ ካብኦም ዝሕተት ኣብ ምምላእ ከምዝርከቡ፡ ንኤሪና ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ ገሊጾም።

ንሳቶም ኣብ ርእይቶኦም፡ ቅርስታት መወከሲ ታሪኽን መግለጺ መንነትን ምዃኖምን፡ ብዕድመን ኣገባብ ኣደዃዂናን ፍሉይ ቱሪዝማዊ ኣገዳስነት ከምዘለዎምን ብምጥቃስ፡ ኣብ ከባቢኦም ዝርከቡ ቦታታትን ሓድግታትን ንምዕቃብ፡ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ተወሃሂዶም ክሰርሑ ዘለዎም ቅሩብነት ኣረጋጊጾም።

ኣብ’ቲ ከባቢ፡ ንነዊሕ ዓመታት ከም ቅርሲ ተዓቂቡ ዘሎ መስጊድ፡ ከምኡ’ውን መበቈላዊ ኣግራብ፡ ውጽኢት ናይ’ቲ ኣብ ዕቃበ ኣከባቢ ብሓፈሻ፡ ቅርስታት ድማ ብፍላይ ሰሪጹ ዘሎ ባህሊ ምዃኑ ዝጠቐሱ ወሃብቲ ርእይቶ፡ ናብ ሓድሽ ወለዶ ንምስግጋሩ ከምዝጽዕሩ ሓቢሮም።

ነበርቲ ሚዕድር ኣብ መወዳእታ፡ ኣብ ቀጻልነት ዕቃበ ናይ’ቲ ቅርሲን ካልእ ሓድግታትን ዓቕሞም ዝፈቐዶ ከማልኡ ከም ዝጸንሑ ብምጥቃስ፡ ተራ ዝምልከቶም ኣካላት ወሳኒ ምዃኑን ቈላሕታ ክግበረሉን ኣዘኻኺሮም።

12 ሜትሮ ቁመትን 6 ሜትሮ ጎድኒን ዘለዎ መስጊድ ሚዕድር፡ ልዕሊ 1300 ዓመታት ከምዝገበረ፡ ሰነዳት ጨንፈር ሚኒስትሪ ቱሪዝም ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ የመልክቱ።

ሚዕድር፡ ካብ ከተማ ዓሰብ ንሸነኽ ሰሜናዊ ምብራቕ ኣስታት 355 ኪሎ ሜተር ርሒቓ ትርከብ።

Categories