ኣብ ንኡስ ዞባ ጸሮና፡ ኣብ ምምሕዳራት ከባቢ ዑና-ዓንዶም፡ ዓዲ ሓርገጽ፡ ዓዲ- ኸረን፡ ደቂ-ሌፋይ፡ ፍልሖ፡ ግንዘቦን ጎበለን ብ4 ሚያዝያ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ዘጋጠመ ብህቦብላን በረድን ዝተሰነየ ዝናብ፡ ኣብ ህይወትን ንብረትን ጕድኣት ከምዘውረደ፡ ካብ’ቲ ቦታ ደንጒዩ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣፍሊጡ።

በቲ ባህሪያዊ ሓደጋ፡ ኣብ ምምሕዳር ከባቢ ዓዲ-ሓርገጽ ክልተ ደቂ 13 ዓመት ቈልዑ ክሞቱ እንከለዉ፡ 20 መንበሪ ኣባይቲን ሓንቲ ቤትንባብን ድማ ከቢድ ዕንወት ወሪድወን፣ ብዘይካ’ዚ፡ 73 ጤለ- በጊዕ ከምዝሞታ፡ እቲ ሓበሬታ ኣብሪሁ።

Categories