መደበር ጥዕና ገለብ፡ ምስ ምስጋም ህዝቢ ንኡስ ዞባ ሽዕብ፡ ካብ ወርሒ ግንቦት ክሳብ ወርሒ መስከረም ጻዕቂ ተገልገልቲ ስለ ዘጋጥማ፡ ብኹሉ መዳያ እትዓብየሉ ኵነታት ክፍጠር፡ ሓላፊ’ታ መደበር ጥዕና ነርስ ሰመረ ተስፋይ ኣዘኻኺሩ።

ህዝቢ ንኡስ ዞባ ገለብ ኣብ ንቡር ግዜ ኣስታት 45 ሽሕ ክኸውን እንከሎ፡ ኣብ እዋን ምቖት ካብ ሽዕብ ዝሳግም 35 ሽሕ ህዝቢ ክድረቦ እንከሎ ናብ ኣስታት 80 ሽሕ ከምዝድይብ ዝሓበረ ነርስ ሰመረ፡ እዚ ጻዕቂ’ዚ ተደራራቢ ስራሕ ስለዝፈጠር፡ ተወሳኺ ዓቕሚ ሞያውያንን መድሃኒትን ክሕሰበሉ ተላብዩ።

ምጥርናፍ ቊሸታትን ዓድታትን፡ ምስፋሕ ኣገልግሎት ጥዕና ይጠልብ ከም ዘሎ ብምጥቃስ ድማ፡ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ናብ ምምሕዳራት ከባቢ ዜን፡ ካሉቕ፡ መዛባጥን መራትን ብምንቅስቓስ ኣገልግሎት ይወሃብ ከምዝነበረ፡ ምስ ምኽፋት መደበር ጥዕና ሮራ መንሳዕ ኣብ 2016 ግና፡ ህዝቢ ኣብ ቀረባኡ ኣገልግሎት ይረክብ ከምዘሎ ኣብሪሁ።

ነዚ ጉዳይ’ዚ ብዝምልከት ኤሪና ብቴለፎን ዝተወከስቶ ሓላፊ ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና ዞባ ዓንሰባ ዶክተር ከሰተብርሃን ሰለሙን፡ እቲ እንኮ ፍታሕ ቅድሚ 5 ዓመታት ተጀሚሩ ዘይተዛዘመ መስርሕ ህንጸት ኮማዊ ሆስፒታል ንኡስ ዞባ ገለብ ምቅልጣፍ ምዃኑ ሓቢሩ።

ቤተ-ፈተነ (ላባላቶሪ) ንምውዳድ ብዝተወስደ ስጕምቲ፡ እቲ መደብ ምሉእ ብምሉእ ተዛዚሙ ዓቕሚ-ሰብ’ውን ተመዲቡሉ ከምዘሎ ብምጥቃስ፡ ኣብ ቀረባ መጻኢ ስርሑ ክጅምር ምዃኑ ዝሓበረ ዶክተር ከሰተብርሃን፡ ብወገን መድሃኒትን ሞያውያንን‘ውን ንብዝሒ ተገልገልቲ ኣብ ግምት ብምእታው ፍሉይ ኣቓልቦ ተዋሂብዎ ከምዘሎ ገሊጹ።

እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ ኣብ ንኡስ ዞባ ገለብ፡ ኮም ዝመርሖ ሓባራዊ ጽሬት ኣብ ምውሓስ ጥዕና ነበርቲ ዝምስገን ውጽኢት ከም ዝተረኽቦን ኣብ’ዚ ዓመት’ዚ ብዝለዓለ ክድፋኣሉ መደብ ከምዘሎን ተፈሊጡ።

Categories