ኣብ ንኡስ ዞባ ኣፍዓበት፡ ኣብ ምሕያል ውጽኢት ትምህርቲ ዝዝቲ ርክብ ተኻዪዱ። ሓላፊ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ ኣቶ ዓብዱላሂ ሳልሕ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ምቊራጽ፡ ዋሕዲ ተሳታፍነት ብፍላይ ኣብ ቀዳማይን ሻምናይን ክፍሊ፡ ከምኡ’ውን ግዜ ትምህርቲ ብግቡእ ዘይምጥቃም፡ ካብ’ቶም ቀንዲ ብድሆታት ምዃኖምን፡ ፈዋሲ ዝዀነ ጎስጓስ ክሕይል ከምዘድሊን ኣፍሊጡ።

ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ፡ ብዘይካ ኣብ ምምሕዳር ከባቢ ግልቡብ፡ ኣብ ካልኦት ምምሕዳራት ከባቢ ኣብያተ-ትምህርቲ ተዋዲዱ ምህላዉ ዝሓበረ መምህር ዓብዱላሂ፡ ነቶም ቀንዲ ጸገማት ብምእላይ ተሳታፍነት ንምዕባይ፡ ብውህደት ክስራሕ ኣዘኻኺሩ።

ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ኣፍዓበት ኣቶ ኣሕመድ መሓመድኑር ረጅብ ብግደኡ፡ ብድሆታት ትምህርቲ ንምስጋር፡ ተራ ኣመሓደርቲ ከባብን ጸለውቲ ኣካላት ሕብረተ-ሰብን ክብ ክብል፡ ንመምህራን ዝግበር ሓገዛት ክቕጽል፡ ከምኡ’ውን መምህራን ሓላፍነቶም ብግቡእ ክትግብሩ ጸዊዑ።

ኣብ ንኡስ ዞባ ኣፍዓበት፡ ካብ መባእታ ክሳብ ካልኣይ ደረጃ ዝተዘርግሓ 43 ኣብያተ-ትምህርቲ፡ ኣብ’ቲ ግቡእ ዕድመ ትምህርቲ ንዘይጀመሩ ካብ 10 ክሳብ 15 ዓመት ዝዕድመኦም ተመሃሮ ዘገልግላ 15 ነቝጣታት፡ 25 ነቝጣታት ትምህርቲ ንዓበይቲን 2 ነቝጣታት ምሸታዊ ትምህርትን ክህልዋ ከለዋ፡ ሎሚ ዓመት ብጠቕላላ ኣስታት 9 ሽሕ ተመሃሮ ኣአንጊደን ምህላወን፡ ወኪል ኤሪና ሓቢራ።

Categories