ሃማደኤ ጨንፈር ዞባ ጋሽ-ባርካ፡ ንደቂ- ኣንስትዮ ሰራሕተኛታት መንግስቲ፡ ኣባላት ሰራዊት፡ ተሓጋገዝቲ ነርስ፡ ከምኡ’ውን ተመሃሮ ማእከላይን ካልኣይን ደረጃ ኣብያተ-ትምህርቲ፡ ኩሉመዳያዊ ንቕሓተን ንምብራኽን ኣብ ከባቢአን ዘለዉ ዕድላት ብግቡእ ዝጥቀማሉ ባይታ ንምፍጣርን ዝዓለመ ጎስጓሳትን ኣስተምህሮታትን ኣካዪዱ።

ሓላፊት’ቲ ጨንፈር ወይዘሮ ይሕደጋ የውሃንስ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ ዓቕምታት ደቂ-ኣስንትዮ ንምህናጽ ዝግበር ወፍሪ፡ ብቐንዱ ብዕዙዝ ሱታፌ ደቂ-ኣንስትዮ ከም ዝረጋግጽን፡ ኣብ ዝተፈላለየ ዓውድታት ዝነጥፋ ደቂ-ኣንስትዮ፡ ንቝሕ ተሳትፎአን ከዕዝዛን ጸዊዓ።

ደቂ-ኣንስትዮ ተኸፊቱለን ንዘሎ ናይ ትምህርትን ሞያን ዕድላት ብግቡእ ክጥቀማሉን ተወዳደርቲ ክዀናን ብምዝኽኻር ድማ፡ ማሕበር – ምስ መሻርኽቱ ብምዃን ኣበርቲዑ ይሰርሓሉ ከምዘሎ ሓቢራ።

Categories