ህዝብን ሰራሕተኛታት መንግስትን ንኡስ ዞባ ማይ-ምነ፡ ብመንግስቲ መሰረታዊ ጽገና ኣብ ዝግበረሉ ዘሎ 41 ኪሎ-ሜትር ዝንውሓቱ ጽርግያ እንዳገርግስ – ማይ-ምነ፡ ዕዉት ወፈራዊ ንጥፈታት ኣካዪዶም።

ኣብ’ቲ ብ20 ሚያዝያ ዝተሳላሰለ ወፈራ፡ ተቐማጦ ምምሕዳራት ከባቢ ዓዲ ሽምቶምቦሳ፡ ዓዲ ጭጎኖን መቓብር ጻብላን፡ ከምኡ እውን ነበርቲ ዓድታት ዳብረ፡ ዓዲ-ናላን ዓዲ-ቀጢናን ተሳቲፎም።

እቲ ስራሕ፡ ነቲ ብማሽነሪ መሰረታዊ ጽገና ዝተገብረሉ መስመር ዝሕግዝ ኮይኑ፡ ምምዕርራይ መንገዲ ውሕጅ፡ ምስራሕ ካናለታት፡ ከምኡ እውን ምፍዋስ ብፍግረ-መሬት ዝተባሕጎጐ ቦታታት ከም ዘጠቓልል ተፈሊጡ።

Categories