ሽማግለ ኣዕሩኽ መንእሰያት፡ ልዑል ቈላሕታ ዝወሃቦ ውዳበ ምዃኑን፡ ክሳብ ከባቢታት ወሪዱ፡ ኣብ ምንቃሕን ምውዳብን ከምኡ’ውን ትግባረ መደባት ኣበርክቶኡ ከዕዝዝን፡ ሓላፊ ማእከላይ ቤት-ጽሕፈት ሃማመተኤ ኣቶ ዑቕባይ በርሀ ኣዘኻኺሩ።

ኣብ ሓውሲ ከተማ ጢዖ፡ ምስ መንእሰያትን ኣባላት ሽማግለ ኣዕሩኽ መንእሰያትን ኣብ ዝገበሮ ርክብ ኣቶ ዑቕባይ፡ ሃማመተኤ፡ ተራን ኣበርክቶን መንእሰያት ኣብ ሃገራዊ መደባት ንምዕዛዝን ዓቕምታቶም ንምምዕባልን ዝሕግዝ ውዳበታት ብምምስራት ከምዝሰርሕ ጠቒሱ፡ ኣብ መንእሰያት ዝግበር ወፍሪ ንሃገር ዘርብሕን ንኹሉ ብማዕረ ዝምልከትን ምዃኑ ሓቢሩ።

ብቝዕ ትምህርትን ሞያን ዝዓጠቑ መንእሰያት ንምህናጽ ብደረጃ ሃገር ዝካየድ ዘሎ ጻዕሪን ዝምዝገብ ዘሎ ውጽኢትን ኣመልኪቱ መብርሂ ድሕሪ ምሃብ ድማ፡ መንእሰያት ንዝተራሕወሎም ዕድላት ብግቡእ ክጥቀሙሉን ነብሶም ንምምዕባል ክሰርሑን ተላብዩ።

ሓላፊ ሃማመተኤ ኣብ ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ መንእሰይ ዑስማን ዓብዱልቃድር ብወገኑ፡ ኣብ’ቲ ዞባ ተራ ሽማግለ ኣዕሩኽ መንእሰያት ዝምስገን ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ዝያዳ ንምሕያሉ ከምዝስራሕ ገሊጹ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ ን10 መዓልታት ዝቐጸለ ቅነ ውዳበታት ሃማመተኤ ኣብ ንኡስ ዞባ ኣራዕታ ከም ዝተኻየደ፡ ካብ’ቲ ቦታ ዝበጽሓና ጸብጻብ ሓቢሩ።

ብኻልእ ወገን፡ ሃማመተኤ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ንጥፈታቱ ንምግምጋም ኣብ ዘካየዶ ርክብ፡ ሓላፊ’ቲ ጨንፈር መንእሰይ እድሪስ ዑስማን ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ ዝውጠኑ መደባት ንምዕዋት፡ ምሕያል ንቝሕ ውዳበታት፡ መሰረታዊ ምዃኑ ገሊጹ።

Categories