ኣብ ንኡስ ዞባ ኣፍዓበት፡ ማሕበር ሓረስቶት ዋዲ-ላብካ፡ ብ31 መጋቢት ቀዳማይ ጉባኤኡ ኣብ ጋድም-ሓሊብ ኣካዪዱ። ሓሙሽተ ዝኣባላታ ኣካያዲት ኣካል ድማ መሪጹ።

ማሕበር፡ ንጥፈታቱ ንምድንፋዕ ኣብ ምልውዋጥ ተመኲሮ ክሰርሕ ከምዝጸንሐ፡ ኣብ ምስራሕ ዓግማትን ጀሪፋትን ከምኡ’ውን ኣብ ቀረብ ሞተረ ማይን ጸረ-ባልዕ መድሃኒትን ምድግጋፍ ከምዘይተፈልዮ ኣብ’ቲ ኣጋጣሚ ተገሊጹ።

ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ኣፍዓበት ኣቶ ኣሕመድ መሓመድኑር ረጅብ፡ ኣባላት ማሕበር እቶቶም ንምዕባይ ብዝለዓለ ክሰርሑ ብምዝኽኻር፡ ምምሕዳር’ቲ ንኡስ ዞባን ካልኦት ኣካላት መንግስትን ዘድሊ ምድግጋፍ ከምዝገብሩሎም ኣረጋጊጹ።

Categories