መንግስቲ፡ ካብ 2003 ክሳብ 2015፡ ንተኣለይቲ ስንኩላን ኲናት ናይ ኣስታት 786 ሚልዮን ናቕፋ ደገፍ ከምዝገበረ፡ ሰነዳት ሚኒስትሪ ዕዮን ሰብኣዊ ድሕነትን ይሕብሩ።

ብመሰረት’ቲ ሰነዳት፡ እቲ ን4,707 ተኣለይቲ ስንኩላን ኲናት ዝተገብረ ደገፍ፡ ኣብ ማሕበራዊ፡ ምምሕዳራውን ሕክምናውን መዳያት ዝወዓለ ኰይኑ፡ ኣብ ዕለታዊ ምንቅስቓሳቶምን መነባብሮኦምን ዓቢ ኣስተዋጽኦ ከምዝነበሮ ተፈሊጡ።

ብዘይካ’ዚ፡ ስንኩላንን ዝተጣየሱ ኣባላት ሰራዊት ነበርን ነብሶም ንክኽእሉ ብዝወጽአ መደብ፡ 1,382 ደቂ-ኣንስትዮ ንዝርከባኦም 5,212 ዜጋታት ናይ 137 ሚልዮን ናቕፋ ዘዋሪ ልቓሕ ከምዝተዋህቦም፡ እቲ ኣስታት 88 ሚእታዊት ካብ’ዚ ድማ ኣብ ሕርሻውን ንግዳውን ንጥፈታት ከምዝተዋፈረ፡ እቲ ሰነዳት የነጽር።

ልዕሊ 90 ሚእታዊት ካብ’ዚ ብመልክዕ ልቓሕ ዝተዋህበ ገንዘብ፡ ሸቶኡ ወቒዑ ከምዝተመልሰ ዝጠቐሰ ሰነዳት ሚኒስትሪ ዕዮን ሰብኣዊ ድሕነትን፡ እዚ ውጽኢት’ዚ፡ ስንኩላን ነቲ “ነብስኻ ምኽኣል” ዝብል ኣተሓሳስባ ብዝግባእ የተግብርዎ ከምዘለዉ ዘረድእ ምዃኑ ይገልጽ።

ቅኑዕን እወታውን ኣመለኻኽታ ኣብ ጉዳይ ስንኩላን ንምሕያልን ተራ ኮም ኣብ ናብዮት ስንኩላን ንምዕዛዝን፡ ከምኡ’ውን ስንኩላን ተጠቀምቲ ጸጋታት ኮም ንክዀኑ፡ ኣብ 52 ንኡስ ዞባታት ርክባትን ስልጠናታትን ከምዝተወደበን ዘተባብዕ ውጽኢት ከምዝተረኽቦን እውን፡ ኣብ ሰነዳት ሚኢስትሪ ዕዮን ሰብኣዊ ድሕነትን ሰፊሩ ይርከብ።

ንንጥፈታት ወለንታውያን ሰራሕተኛታት ተሃድሶ ዓዲ ዘመጐሰ ሚኒስትሪ ዕዮን ሰብኣዊ ድሕነትን፡ ንሳቶም ብዘካየድዎ ዳህሳስን ጎስጓስን፡ ልዕሊ 52 ሽሕ ስንኩላን ተረባሕቲ መሰል ተጠቃምነት መሬት ሕርሻን መንበሪን፡ 16 ሽሕ ስንኩላን ተጠቀምቲ ነጻ ኣገልግሎታት ጥዕና፡ 1 ሽሕን 430 ተጠቀምቲ ሞያውን ትምህርታውን ስልጠናታት ከምዝዀኑ ብምግላጽ፡ ኣብ ምርጫታት ኣመሓደርቲ ዓድታትን ኣባላት ባይቶን እውን ከምዝተዓወቱ ኣብሪሁ።

Categories