ኣብ ዞባ ማእከል፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ዝተጀመረ ንጥፈታት ምዕቃብ ሓመድን ማይን፡ ከምኡ’ውን ልምዓት መስኖ ኣድማዒ ምንባሩ፡ ኣብ ክፍሊ ሕርሻን መሬትን ሓላፊ ኣሃዱ ልምዓት መስኖ ኢንጅነር ኣቤል ወልደጋብር ንኤሪና ሓቢሩ።

ዝሓለፈ ዓመት፡ ኣብ ሕርሻዊ መሬት ክስራሕ ዝተመደበ ዛላታትን ከትርታትን ብሓያል ኮማዊ ተሳትፎ ከም ዝተዓመ ዝጠቐሰ ኢንጅነር ኣቤል፡ ኣብ ዛላታት 39 ሚእታዊት፡ ኣብ ከትርታት ድማ 78 ሚእታዊት ካብ’ቲ ዝተወጠነ ንላዕሊ ከም ዝተተግበረ ኣብሪሁ።

ንሱ ወሲኹ፡ ኣብ’ዚ ዓመት’ዚ ልዕሊ 7 ሽሕ ሄክታር ቅናታዊን ሕርሻዊን ዛላ ንምስራሕ መደብ ከምዘሎ ብምሕባር፡ ኩለን ዓድታት ኣብ 2017 ንዘርኣያኦ ዕዙዝ ሱታፌ ብዝሓየለ ክደግማኦ ኣዘኻኺሩ።

ኢንጅነር ኣቤል ኣብ መወዳእታ፡ ኣገባባት መስኖ ንምምዕባልን ንምትእትታውን ብዘሎ መደብ፡ ኣብ ሕምብርቲ፡ ኣብ 32 ሄክታር ጸቕጣዊ መስኖ ንፈተነ ይስራሓሉ ከምዘሎ ብምሕባር፡ ዘተባብዕ ምዃኑን ንምስፍሑ መደብ ከምዘሎን ኣብሪሁ።

Categories