ኣብ ከተማ ከረን፡ 47 ደቂ-ኣንስትዮ ዝርከባኦም 55 መንእሰያት፡ ብስርሓት ካይላ፡ ትምህርቲ ሙዚቃ፡ ከምኡ’ውን ኣጸሓሕፋን ኣዋሳስኣን ድራማ ሰልጢኖም።

እቶም ነዚ ናይ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ስልጠና ዕድል ዝረኸቡ መንእሰያት፡ ዘለዎም ማሕበረ-ቊጠባዊ ጸገማት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ብደረጃ ንኡስ ዞባ ብዝቘመት ኮሚተ ዝተመመዩ ምዃኖም፡ ብ5 ሚያዝያ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ምምራቕ ስነ-ስርዓት ተገሊጹ።

ሓላፊ ማእከላይ ቤት-ጽሕፈት ሃማመተኤ መንእሰይ ዑቕባይ በርሀ ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ እቲ መደብ ኣካል ናይ’ቲ ዓቕምታት መንእሰያት ንምህናጽ ኣብ ትምህርትን ሞያን ዝግበር ዘሎ ወፍሪ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ንዝቐሰምዎ ሞያ ከም መበገሲ ተጠቒሞም፡ ብስራሕ ከማዕብልዎ ተላብዩ።

ኣብ’ቲ ኣጋጣሚ፡ ብትምህርቶም ብሉጻትን ኣብነታውያንን፡ ከምኡ’ውን ኣብ መደባት ማሕበር ንጡፋት ዝዀኑ 15 ተመሃሮ ካልኣይ ደረጃ ንምትብባዕ፡ ሓደስቲ ብሽክለታት ተዓዲሎም።

እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ ኣብ’ቲ ዕለት፡ ብ3 ሚልዮን ናቕፋ መሰረታዊ ጽገና ዝተገብረሉ፡ ኣብ ከተማ ከረን ዝርከብ መሰልጠኒ ማእከል ስርሓት ካይላ ሃማመተኤ ንኣገልግሎት ተኸፊቱ። እቲ ማእከል፡ ዘመናዊ መሳርሒታት ስርሓት ካይላ ዝተዋደደሉ ብምዃኑ፡ ኣብ ምስልጣን መንእሰያት ዝህልዎ ኣስተዋጽኦ ብቐሊል ከም ዘይጥመት እውን ኣብ’ቲ ኣጋጣሚ ተገሊጹ።

ኣብ ዞባ ዓንሰባ፡ ኣብ ዓመተ 2015/16፡ 78 ሚእታዊት ደቂ- ኣንስትዮ ዝርከባኦም ልዕሊ 400 መንእሰያት ብዝተፈላለየ ሞያታት ከምዝሰልጠኑ ይዝከር።

Categories