ግዳያት ማሕበራዊ ሕሰም፡ ካብ ቤተ-ሰቦምን ሕብረተሰብን ከይረሓቑ መነባብሮኦም ከመሓይሹ ዝግበር ናይ ገንዘብን ናውትን ደገፍ፡ ዘተባብዕ ውጽኢት ይርከቦ ከምዘሎ፡ ሚኒስትሪ ዕዮን ሰብኣዊ ድሕነትን ሓቢሩ።

እቲ ሚኒስትሪ ንኤሪና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ንግዳያት ማሕበራዊ ሕሰም፡ ብመንግስትን ኮምን፡ ደገፍ ናውቲ- ትምህርቲ፡ ሞያዊ ስልጠናታት፡ ምንጪ ቊጠባዊ እቶት፡ ከምኡ’ውን ካልእ ሓገዛት ከምዝግበር ብምጥቃስ፡ ዘይድህሰስን ተወሳኺ ረብሓታት ዘለዎን ተራ ኮም ዓቢ ቈላሕታ ከም ዝወሃቦ ገሊጹ።

“ንግዳያት ማሕበራዊ ሕሰም፡ ኣብ ትካላት ምእላይን ምንባይን ከም ናይ መወዳእታ ኣማራጺ’ዩ ዝውሰድ” ዝበለ ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ማሕበራዊ ድሕነት ኣቶ ምሕረትኣብ ፍስሃየ፡ ዝተፈላለየ ጠንቅታት ዘለዎም ተርእዮታት ዝኽትምና፡ ስንክልና፡ ተናባይነት ጎደና፡ ልመናን ፋይቶትነትን፡ ኣብ ውሽጢ ሕብረተ-ሰብ ተሓቚፎም ክፍትሑ ከምዝስራሕ ኣብሪሁ።

ነዞም ተርእዮታት ብመገንዲ ትካላት ምእላዮም ብዙሕ ሃጓፋት ከምዘለዎ ጠቒሱ ድማ፡ ኣብ ውሽጢ ሕብረተሰብ ምክትታልን ናብዮትን ዝረኽቡሉ መገዲ ምጥጣሕ፡ ንግዳያት – ትስፉዋት፡ ብሃፈ-ጻማኦም ዝሓድሩን መኽበርቲ ሰብን ዝገብር ሜላ ከምዝዀነ ገሊጹ። ኣቶ ምሕረትኣብ፡ ብዝበለጸ ንክብርታት ሕብረተሰብ መሰረት ብምግባር እንተ ተሰሪሑ፡ ነቲ ተርእዮ ምቅላስን ምጕዳልን ከም ዝከኣል ኣገንዚቡ።

Categories