ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ብምትሕባብር ጨናፍር ሚኒስትሪታት ትምህርትን ጥዕናን፡ ኣብ ርሑቕ ከበቢታት ዝርከባ ኣብያተ-ትምህርቲ – ንተመሃሮአን ናይ ቀዳማይ ረድኤት ኣገልግሎት ከምዝህባ ንምግባር፡ ዓቕሚ ወከልቲ ጥዕና መማህራን ንምሕያልን መሰረታዊ መሳርሒታት ንምዕጣቖምን ብዕቱብ ይስራሓሉ ከምዘሎ ተሓቢሩ።

ኣብ ጨንፈር ሚኒስትሪ ትምህርቲ ሓላፊ ኣሃዱ ባህሊ፡ ስፖርትን ጥዕናን መምህር መሓመድ ዓብደላ ነዚ ዝገለጸ፡ ካብ ንኡስ ዞባታት ሽዕብ፡ ፎሮ፡ ጊንዳዕ፡ ባጽዕ፡ ዳህላክን ገለዓሎን ንዝመጹ 44 ናይ መዋእለ-ህጻናትን መባእታን መማህራን ዝተዋህበ ስልጠና ኣብ ዝተዛዘመሉ ኣጋጣሚ እዩ።

ተመሃሮ ትምህርቶም ብግቡእ ክከታተሉ ምእንቲ፡ መማህራን ኣብ ጥዕናኦም ዕቱብ ምክትታል ክገብሩ፡ ሰነዳት ናይቶም ጥዕናዊ ጸገማት ዘለዎም ተመሃሮ ብግቡእ ክሕዙ፡ ከምኡ’ውን ምስ ወለዲ፡ ኣብያተ- ትምህርትን ትካላት ጥዕናን ብምርድዳእ ነቲ ጸገም ንምፍታሕ ክጽዕሩ ኣዘኻኺሩ።

ኣብ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዳይረክተር ጨንፈር ምክትታል ብቕዓት ትምህርቲ፡ ኣቶ ኣብርሃም ተኽለ ብወገኑ፡ ጥዕና ተመሃሮ ንምሕላዉ፡ ኣብ ኣስናንን፡ ዓይኒን እዝኒን ናይ ተፍትሽ ወፍሪ ከምዝካየድ፡ ብቚጽሪ ውሑዳት ዘይኮኑ ተመሃሮ ድማ ሽግራቶም ብኣጋ ተለልዩ ሓገዝ ከም ዝተገብረሎም ኣረዲኡ።

Categories