ቤት-ጽሕፈት ኣታዊ ግብርን ቀረጽን ዞባ ማእከል፡ ኣሰራርሓኡ ብምምሕያሹ ስሉጥ ኣገልግሎት ይረኽቡ ከምዘለዉ ተገልገልቲ ሓቢሮም።

ንሳቶም ንኤሪና ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ ቅድሚ ሕጂ ዝነበረ ምድንጓያትን ምምልላስን ፍታሕ ብምርካቡ፡ ንተገልገልትን ኣገልገልትን ኣጸጊሙ ዝጸንሐ ሃልኪ ግዜን ጉልበትን ከም እተቐንጠጠ ብምሕባር፡ ካልኦት ወሃቢ ኣገልግሎት ትካላት ተመሳሳሊ ስጒምቲ ክወስዳ ተላብዮም።

ሓላፊ’ቲ ቤት-ጽሕፈት ኣቶ ሃብተ የዕብዮ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ዝጸንሐ ሕጽረት ጸዓት ኤለክትሪሲቲ ፍታሕ ብምርካቡን እኹል ዓቕሚ-ሰብ ብምምዳቡን፡ መዓልታዊ ንኣስታት 350 ዓማዊል ስሉጥ ኣገልግሎት ይህቡ ከምዘለዉ ገሊጹ።

ኣብ’ቲ ኣሃዱ ንነዊሕ ዓመታት ዝሰርሑ ኣባላት ብወገኖም፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ዝተኣታተወ ብሓገዝ ኮምፒተር ዝተሰነየ ኣሰራርሓ፡ ዓቢ ኣሳልጦ ንኽህሉ ከም ዝሓገዘ ሓቢሮም።

Categories