ኩባንያ መጓዓዝያ ሓራት ጨንፈር ዞባ ደቡብ፡ እናዓበየ ዝመጽእ ዘሎ ጠለብ ኣገልግሎት በብግዜኡ ንምምላስ ብዘካይዶ ዘሎ ጻዕሪ፡ ልዕሊ 90 ዓበይትን ማእከሎትን ኣውቶቡሳት ብምውፋር ይነጥፍ ከምዘሎ ገሊጹ።

ሓላፊ’ቲ ጨንፈር ኣቶ ኣሕመድ ዓሊ ሹም ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ መዓልታዊ ብ64 ኣውቶቡሳት ካብ ዝተፈላለየ ከባቢታት’ቲ ዞባ ናብ ኣስመራ፡ ብ27 ኣውቶቡሳት ድማ ኣብ ውሽጢ’ቲ ዞባ ብርትዓዊ ዋጋ ኣገልግሎት ከም ዝህብ ኣብሪሁ።

ኣብ’ቲ ዞባ፡ ብዘይካ’ቲ ካብ 7 ከተማታትን 4 ሓውሲ-ከተማታትን ዘሎ ተርሚናላት ብምብጋስ ናብ 27 መስመራት ዝወሃብ ስሩዕ ኣገልግሎት፡ ካብ ኣስመራ ናብ ዓዲ-ናህባይ፡ ጉሕጫዓን ታኺታን፡ ካብ ዓዲ-ዃላ ናብ ፍቕያ-ጨቐምጠ፡ ካብ መንደፈራ ድማ ናብ ማይ-ምነ ሓደስቲ መስመራት ከምዝተኸፍተ፡ ካብ ማይ- ዕዳጋ፡ ጋዴን፡ ሽከቲን ተራእምኒን ድማ ናብ ኣብያተ-ትምህርቲ ደቀምሓረን ድባርዋን ንዝመላለሱ ተመሃሮ ኣውቶቡሳት ተመዲበን ይነጥፋ ከምዘለዋ ኣነጺሩ።

ኣብ ቀረባ እዋን ጽገና ዝተገብረሎም ጽርግያ ተራእምኒ – ደቀምሓረ፡ እምኒ ሓይሊ – ዓዲ ብሓይላይ፡ ደቀምሓረ – ጸሮናን እንዳገርግስ – ማይምነን፡ ኣብ ውሕስነትን ኣሳልጦን ዝወሃብ ኣገልግሎት መጓዓዝያ ዓቢ ኣስተዋጽኦ ከምዝህልዎ’ውን ሓቢሩ።

ዝካየድ ዘሎ ጻዕሪ ነቲ ዝጸንሐ ሽግር መጓዓዝያ’ኳ እንተቃለሎ፡ እቲ ጠለብ ግን ገና ምሉእ ብምሉእ ከምዘይተመለሰ ዝጠቐሰ ኣቶ ኣሕመድ፡ ብፍላይ ኣብ ቅነ በዓላት ዝኽሰት ጸገም ንምቅላል ከምዝስራሕ ገሊጹ።

ተገልገልቲ ብግደኦም፡ ብኩባንያ ሓራት ዝረኽብዎ ኣገልግሎት ርትዓዊን ስሩዕን ምዃኑ ብምሕባር፡ ዘሎ ጠለብ ንምምላስ ተወሰኽቲ ኣውቶቡሳት ክምደባ ሓቲቶም።

Categories