ኣብ ምምሕዳር ከባቢ ሸበቕ – ንኡስ ዞባ ሓጋዝ ኣብ ዝርከብ ገዳም ጻዕዳ- እምባ፡ ኣብ ስዊዘርላንድ ዝርከቡ ግዱሳት ኤርትራውያን ብዝገበርዎ ኣበርክቶ፡ ብ90 ሽሕ ዩሮ ኣገልግሎት ጸሓያዊ ጸዓት ተዋዲዱ።

እቲ ጸሓያዊ ጸዓት፡ ኣብ ርእስ’ቲ ኣብቲ ገዳም ንዝርከቡ ኣገልገልትን ተመሃሮን ዝህቦ ብርሃን፡ ነቲ ታሪኻውን ቱሪዝማውን ኣገዳስነት ዘለዎ ገዳም መስሕብ በጻሕቲ ንምግባሩ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ጻዕሪ ዝህልዎ ኣበርክቶ እውን – ብቐሊል ከምዘይጥመት፡ ነቲ ናውቲ ሒዙ ዝመጽአ ኣቶ ተኽለ ሃይለ ገሊጹ።

ገዳም ጻዕዳ-እምባ፡ ካብ ከተማ ሓጋዝ ንሸነኽ ደቡባዊ ምብራቕ፡ 35 ኪሎ- ሜተር ርሒቑ ይርከብ።

Categories