ኣብ ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ሃብቲ ገረብ ብሓፈሻ፡ ኣብ ገማግም ባሕሪን ደሴታትን ዝርከብ ኣግራብ ሾራ ድማ ብፍላይ – ዘሎ ናይ ምዕቃብ ባህሊ ዝምስገን ምዃኑ፡ ኣብ ጨንፈር ሚኒስትሪ ሃብቲ ባሕሪ ሓላፊ ኣሃዱ ልምዓት ኣቶ መሓመድ ኢያሕ ሓቢሩ።

ገረብ ሾራ ብዙሕ ጥቕሚታት ዘለዎ ብምዃኑ፡ ንምዕቃቡን ንምስሳኑን ንህዝቢ ቀጻሊ ኣስተምህሮታትን ጐስጓሳትን ከምዝካየድ ዝገለጸ ኣቶ መሓመድ፡ ብከባቢኡ ዝርአ ልሙዕ ኣግራብ ናይ’ዚ ውጽኢት ምዃኑ ገሊጹ።

ገረብ ሾራ፡ ንመዕቈቢን መፋረዪን ዓሳታት፡ ምክልኻል ፍግረ-መሬት፡ ምስሳን ዕንባባታት ባሕሪን ምርጋእ ገረብ ሾራ፡ ንመዕቈቢን መፋረዪን ዓሳታት፡ ምክልኻል ፍግረ-መሬት፡ ምስሳን ዕንባባታት ባሕሪን ምርጋእ።

ኣቶ መሓመድ ኢያሕ፡ ኣብ 20 ሄክታር ገረብ ሾራ ምትካል፡ እቲ ዓይነት ገረብ ብብዝሒ ዝረኣየለን ክልተ ደሴታት ምሕዛእ፡ ከምኡ’ውን ቅድሚ ሕጂ ተፈቲኑ ጽቡቕ ውጽኢት ዝተረኽቦ ምርባሕ ንህቢ ኣብ ኣግራብ ሾራ ብሰፊሑ ምትእትታው፡ ካብ ናይ መጻኢ መዳባቶም ምዃኑ ሓቢሩ።

ነበርቲ፡ ገረብ ሾራ ምቑራጽ ብባህሎም ክልኩል ብምዃኑ፡ ኣብ ምዕቃቡ ዓቢ ሓገዝ ኮይኑ ከምዘሎ ገሊጾም።

Categories