ሓረስቶት ደጎሊ – ንኡስ ዞባ ባጽዕ፡ ነቲ ብክራማት ከበሳ ዝወርድ ወሓይዝ ብኣድማዕነት ኣብ ሕርሻዊ ጥቕሚ ንምውዓል፡ ከምኡ’ውን ፍግረ- መሬት ንምፍዋስ፡ ሰፊሕ ወፈራታት የካይዱ’ለዉ።

ንሳቶም ንኤሪና ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ እቲ ስራሕ መቐጸልታ ናይ’ቲ እቶታውነት ንምድንፋዕ ከካይድዎ ዝጸንሑ ንጥፈታት ምዕቃብ ሓመድን ማይን ምዃኑ ጠቒሶም፡ ዘሰላስልዎ ዘለዉ ስራሓት ውሕስነት ንኽህልዎ፡ ናይ ማሽነሪ ደገፍ ክግበረሎም ሓቲቶም።

ነቲ ልዕሊ 80 ሄክታር ዝስፍሓቱ ግራውቶም ናይ ምፍዋስ ዕማም፡ ኣብ ሰሙን ሰለስተ ግዜ እናወፈሩ የሰላስልዎ ከምዘለዉ ዝሓበሩ’ቶም ሓረስቶት፡ ልዕሊ ዓቕሞም ኮይኑ ዘሎ ሕርሻዊ ትሕተ- ቅርጺ ንምጽጋን ግን፡ ቅልጡፍ ደገፍ ዝምልከቶም ኣካላት ከምዘድልዮም ኣብሪሆም።

ዶጎሊ፡ ካብ ከተማ ባጽዕ ንሸነኽ ሰሜናዊ ምዕራብ 25 ኪሎ-ሜተር ርሒቓ ትርከብ፣

Categories