ዋና-ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤት-ክርስትያን ኤርትራ ብጹእ ኣቡነ ሉቃስ፡ ብምኽንያት በዓል ትንሳኤ፡ ንምእመናን ቃለ-ቡራኬ ሂቦም።

ንትርጉም በዓል ትንሳኤ ዝገለጹ ኣቡነ ሉቃስ፡ ንኹሎም ምእመናን ብሓፈሻ፡ ኣብ ምክልኻል ሃገር ተዋፊሮም ንዘለዉ፡ ብሕማም ኣብ ሆስፒታላት ንዝተዓቚቡ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ተሃድሶ ንዝርከቡ ወገናት፡ “እንቋዕ ናብ’ዚ ክቡር በዓል ኣብጸሓኩም” ኢሎም።

ኣቡነ ሉቃስ ኣብ መልእኽቶም፡ በዓል ትንሳኤ፡ ከም’ቲ ወለዲ ዘዘውትርዎ ብሓባርን ስኒትን ዝበዓል፡ ከምኡ’ውን ጽጉማት ወገናት ዝያዳ ዝዝከሩሉን ዝድገፉሉን ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ከም’ዚ ዝበለ ሰናይ ግብሪ፡ ምድራውን ሰማያውን በረኸት ከምዘምጽእ ገሊጾም።

ሃይማኖታዊ በዓላት ህዝቢ ኤርትራ፡ ሓድሕዳዊ ስኒት ከምኡ’ውን ናይ ምክብባርን ምንብባርን ባህሊ ህዝቢ ዝንጸባረቐሉ ኣጋጣሚ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ኩሉ ዜጋ፡ ነዛ ውጽኢት ሓድነትን መስዋእትነትን ህዝቢ ዝኾነት ሃገር ክዕቅብ፡ ወለዶታት ብሓድነትን ሃይማኖታዊ ስኒትን ንኽኵስኰሱን ነዚ ባህሊ ክወርሱን፡ ረዚን ሓላፍነት ከምዘለዎ ኣገንዚቦም።

Categories