ቤት-ጽሕፈት ጠቕላሊ ኦዲተር፡ ን32 ኣባላቱ – ካብ ዞባዊ ኣፍሪቃዊ ውድብ ላዕለዋይ ትካል ኦዲት ተዛረብቲ ቋንቋ እንግሊዝ ዝኾና ሃገራት ብዝመጹ ክኢላታት፡ ኣብ ተክኖሎጂ ሓበሬታ ዘተኰረ ስልጠና ሂቡ።

ዕላማ ናይ’ዚ ካብ 26 ክሳብ 30 መጋቢት ኣብ ኣስመራ ዝተዋህበ ስልጠና፡ ዓቕሚ ኣባላት ኣብ ፋይናንሳዊ ኦዲት ምምዕባል፡ ከምኡ’ውን ነቲ ብኢድ ክስራሕ ዝጸንሐ ፋይናንሳዊ ኦዲት፡ ብቴክኖሎጂ ሓበሬታ ዝተሰነየ ንምግባሩ ከምዝኾነ፡ ኣወሃሃዲ ናይ’ቲ ስልጠና ኣቶ ኣማኑኤል ኢሳቕ ገሊጹ።

ጠቕላሊ ኦዲተር ኣቶ ገብረእግዚኣብሄር ገብረመድህን፡ እቲ ስልጠና መቐጸልታ ናይ’ቲ በብእዋኑ ዓቕሚ ኣባላት ንምጉልባት ዝውደብ ስልጠናታት ምዃኑ ብምሕባር፡ ሰልጠንቲ ኣብ ናይ ስራሕ ቦታኦም ብግብሪ ክትርጒምዎን ኣብ ምዕባለ ስርሖም እጃሞም ክብ ከብሉን ተላብዩ።

Categories