ጨንፈር ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ምስ ክፍሊ ምርምርን ምምዕባል ዓቕሚ-ሰብን ናይ’ቲ ሚኒስትሪ ብምትሕብባር፡ ንርእሳነ-መማህራን መባእታን ካልኣይን ደረጃ፡ ኣብ ምሕያል ምሕደራ ኣብያተ-ትምህርቲ ዘተኰረ ሰልጠና ወዲቡ።

ኣብ’ቲ ስልጠና፡ ኣብ ንኡሳን ዞባታት ጊንዳዕ፡ ፎሮ፡ ገልዓሎ፡ ሽዕብ፡ ባጽዕን ዳህላክን ዝነጥፉ 50 ርእሳነ-መማህራን ተሳቲፎም።

ሓላፊ ጨንፈር ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ መምህር ረሺድ መሓመድ-ዑስማን፡ ምሕያል ምሕደራ ኣብያተ-ትምህርቲ ኣብ ምዕዛዝ ውጽኢት ትምህርቲ ዓቢ ኣስተዋጽኦ ስለዘለዎ፡ ኣቓልቦ ተዋሂብዎ ብዕቱብ ይስራሓሉ ከምዘሎ ገሊጹ።

ካብ ክፍሊ ምርምርን ምምዕባል ዓቕሚ- ሰብን ሚኒስትሪ ትምህርቲ፡ ኣቶ እድሪስ ኑር ሳልሕ ብወገኑ፡ መማህራን ዝቐሰምዎ ስልጠና ብግብራዊ ስራሕ ንምዕማቚ ቀጻሊ ክጽዕሩ ኣዘኻኺሩ።

እቲ ስልጠና፡ ኣብ’ተን ዝተረፋ ንኡሳን ዞባታት ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ እውን ክቕጽል ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ።

Categories