ገዲም ተጋዳላይ ሜጀር ሃይለ ሓጎስ፡ ብ31 መጋቢት ኣብ መበል 64 ዓመት ዕድመኡ ብሕማም ተሰዊኡ።

ኣብ 1975 ናብ መሳርዕ ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ ዝተሰለፈ ሜጀር ሃይለ፡ ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ ኣብ ኣጋር ሰራዊትን ኣብ ዝተፈላለየ ክፍልታት ውድብን፡ ድሕሪ ናጽነት ድማ ኣብ ፖሊስ ኤርትራን ስታፍ ምምሕዳር ሚኒስትሪ ምክልኻልን ብዝተፈላለየ ጽፍሕታት ሓላፍነት ብተወፋይነት ዝተቓለሰን ዝመርሐን ሓርበኛ እዩ።

ስዉእ ገዲም ተጋዳላይ ሜጀር ሃይለ ሓጎስ፡ በዓል ሓዳርን ኣቦ ኣርባዕተ ደቂን እዩ።

ስነ-ስርዓት ቀብሪ ሜጀር ሃይለ፡ ብ1 ሚያዝያ ሰዓት 4፡00 ድሕሪ-ቐትሪ ኣብ መካነ መቓብር ሓርበኛታት ኣስመራ ተፈጺሙ።

ፖሊስ ኤርትራ፡ ብመስዋእቲ ገዲም ኣባሉ ሜጀር ሃይለ ሓጎስ ዝተሰመዖ መሪር ሓዘን እናገለጸ፡ ንስድራ-ቤቱ፡ መቓልስቱን መሳርሕቱን “ጽንዓት ይሃብኩም” ይብል።

Categories