ጨንፈር ሚኒስትሪ ዕዮን ሰብኣዊ ድሕነትን ዞባ ደቡብ፡ ኣብ ንኡሳን ዞባታት ዝነጥፉ ኣባላቱ ዝተሳተፍዎ፡ ኣብ ትግባረ መደባት ማሕበራዊ ድሕነት ዝዝቲ ርክብ ኣካዪዱ።

ኣብ’ቲ ብ22 መጋቢት ኣብ መንደፈራ ዝተኻየደ ኣኼባ፡ ኣብ ኣተኣላልያን ምሕጋዝን ማሕበራዊ ሽግራት ዘለዎም ዜጋታት፡ ምንባይ ስንኲላንን ስድራ- ስዉኣትን፡ ከምኡ’ውን ትግባረ ሕጊ ዕዮ ብሰፊሑ ተዘትዩ።

ሓላፊ’ቲ ጨንፈር ኣቶ ሃይለ ገብረሚካኤል፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ንስድራ ስዉኣትን ተኣለይቲ ስንኩላንን ልዕሊ 112 ሚልዮን ናቕፋ ከም እተኸፍለ፡ ን460 ጽጉማት ቈልዑ ድማ ልዕሊ 1.5 ሚልዮን ናቕፋ ሓገዝ ከምእተገብረ ጠቒሱ፡ እቲ ናይ ማሕበራዊ ድሕነት ንጥፈታት ስሉጥን ጽፉፍን ክኸውን፡ ኣባላት ኣበርቲዖም ክሰርሑ ተላብዩ።

ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ዞባ ደቡብ፡ ኣቶ ቃልኣብ ተስፋስላሰ ብወገኑ፡ መንግስቲ ኣብ ሕብረተ-ሰብ ዘጋጥሙ ማሕበራዊ ሽግራት ንምፍታሕ ዓቕሙ ዘፍቅዶ ይገብር ከምዘሎ ብምሕባር፡ ንኣድማዕነት ትግባረ ናይ’ቲ መደባት፡ ኣባላት ሚኒስትሪ ዕዮን ሰብኣዊ ድሕነትን ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ምምሕዳር ብውህደት ክሰርሑ ኣዛኻኺሩ።

Categories