ነበርቲ ምምሕዳር ከባቢ ዓዲንኣምን – ንኡስ ዞባ ሎጎ-ዓንሰባን ምምሕዳር ከባቢ ዓቢ-ግራት – ንኡስ ዞባ ዓዲ- ቐይሕን፡ ሓመድን ማይን ኣብ ምዕቃብን ጽርግያ ኣብ ምጽጋንን ዝቐንዐ ወፈራታት የካይዱ ኣለዉ።

ኣብ ምምሕዳር ከባቢ ዓዲ- ንኣምን፡ መዓልታዊ 150 ጉልበት ሰብ እናወፈረ፡ ከትርታትን ዛላታትን ይሰርሑ ከምዘለዉ፡ ወኪል ኤሪና ሓቢሩ።

ክኢላ ምዕቃብ ሓመድን ማይን ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ፡ ኣቶ ዳልሽ ግርማይ፡ በቲ ሩባታት ንምኽታር ዝሰላሰል ዘሎ ዕዮ፡ ዛጊት 48 ዓበይትን ነኣሽቱን ከትርታት ከም እተሰርሑ ገሊጹ።

እዚ ከም’ዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣብ ምምሕዳር ከባቢ ዓቢ-ግራት ዝጥርነፉ ተቐማጦ ዓድታት ከበሳ፡ ዑናዓሽከር፡ ዓሮርያ፡ ማንሱራን ዓቢ-ግራትን፡ ካብ ከበሳ ናብ ማንሱራ ዝኣቱ – ብውሕጅ ተባላሽዩ ንተሽከከርቲ ኣሸጋሪ ኮይኑ ዝጸንሐ 9 ኪሎ-ሜተር ጽርግያ ብወፈራ ጸጊኖም።

ካብ ዓቢ-ግራት ናብ ዓሮርያ ዝወስድ ክልተ ኪሎ-ሜተር ጽርግያ እውን፡ ብተመሳሳሊ ኣገባብ ተጸጊኑ።

Categories