ኣብ ንኡስ ዞባ ሽዕብ፡ ሓረስቶት ገድገድን ሽዕብ ቀጢንን፡ ካብ ከበሳ ዝወርድ ወሓይዝ ብግቡእ ናብ ግራውቶም ንኽኣቱ፡ ኣብ ምስራሕን ምጽጋንን መእለዪ ወሓይዝን ዓግማትን ከምኡ’ውን ኣብ ምምድማድ ግራውቲ ዝቐንዐ ወፈራዊ ስራሓት የካይዱ ኣለዉ።

ኣብ ንኡስ ዞባ ሽዕብ፡ ሓረስቶት ገድገድን ሽዕብ ቀጢንን፡ ካብ ከበሳ ዝወርድ ወሓይዝ ብግቡእ ናብ ግራውቶም ንኽኣቱ፡ ኣብ ምስራሕን ምጽጋንን መእለዪ ወሓይዝን ዓግማትን ከምኡ’ውን ኣብ ምምድማድ ግራውቲ ዝቐንዐ ወፈራዊ ስራሓት የካይዱ ኣለዉ።

እቶም ሓረስቶት፡ ዘካይድዎ ዘለዉ ማእቶት፡ መቐጸልታ ናይ’ቲ ከም ባህሊ ዘማዕበልዎ ወፈራታት ምዃኑ ድሕሪ ምሕባር፡ እቶታውነቶም ማዕረ’ቲ ዘፍስስዎ ዘለዉ ጻዕሪ ንክኸውን፡ ናይ ማሽነሪ ሓገዛት ክግበረሎም ሓቲቶም።

ኣቶ ኣቡበከር ኢብራሂም፡ ምስ ነበርቲ ቲሉክ፡ ገድገድ፡ መንሸብን ወቒሮን ኣብ ዝገበሮ ርክብ ድማ፡ ሓረስቶት ንዝለዓለ ኣፍራይነት ውዳቤኦም ከሐይሉ ኣዘኻኺሩ።

ሓመድን ማይን ኣብ ምድንፋዕ እቶታውነት ዘለዎ ወሳንነት ዝጠቐሰ ኣቶ ኣቡበከር፡ ኣብ ምዕቃቡ ኮማዊ ተሳትፎ ክሕይል ጸዊዑ።

ኣብ’ቲ ከባቢ ተዋዲዱ ዘሎ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ብሓፈሻ፡ ኣገልግሎታት ጥዕናን ትምህርትን ድማ ብፍላይ – ኣብ መነባብሮ ህዝቢን ምዕባለ ናይ’ቲ ከባብን መሰረታዊ ለውጢ የምጽእ ከምዘሎ ጠቒሱ ድማ፡ ተጠቃምነት ህዝቢ ክዓዝዝ ተላብዩ።

Categories