ኣህጉራዊ ማእከል ምክትታል ጎድናዊ ሳዕቤናት መድሃኒት፡ ኤርትራ ብደረጃ ኣፍሪቃ ጸብለል ከምዝበለት፡ ኣብ ዘውጸኦ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።

ብመሰረት’ቲ ዝተዘርግሐ ጸብጻብ፡ ኤርትራ ኣብ ምክትታል ጎድናዊ ሳዕቤናት መድሃኒት፡ ብኹሉ መለክዒታት ኣብ’ታ ኣህጉር ቀዳማይ ደረጃ ሒዛ ምህላዋ፡ እቲ ውድብ ገሊጹ።

በዚ ምኽንያት፡ ኤርትራ ካብ ኣፍሪቃ፡ ኤውሮጳ፡ ኣብ ምክትታል ጎድናዊ ሳዕቤናት መድሃኒት ብዝኸፈታኦ ሓድሽ ምዕራፍ፡ ብኣህጉራዊ ውድብ ምክትታል ጎድናዊ ሳዕቤናት መድሃኒት ኣፍልጦ ስለዝረኸባ፡ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ግንቦት 2018 ኣብ ኡፕሳላ ኣብ ዝካየድ ዝኽሪ መበል 40 ዓመት ምምስራት’ቲ ኣህጉራዊ ማእከል፡ ተመኲሮአንን ምስጢር ዓወታተንን ከካፍላ ዕድመ ቀሪቡለን ኣሎ።

ኤርትራ ብእትገብሮ ዘላ ጽዑቕ ምክትታል ጎድናዊ ሳዕቤናት መድሃኒት፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመታት ጥራይ 11 ሓደስቲ ሓደገኛታት ጎድናዊ ሳዕቤናት መድሃኒት ከምዝረኸበት፡ ልዑል ተቐባልነት ኣብ ዘለዎም ዓበይቲ ጆርናላት ብምሕታሙ ድማ ብዙሕ ተፈላጥነት ከምዝረኸበ፡ ጸብጻባት ሚኒስትሪ ጥዕና የረድኡ።

ብተወሳኺ፡ ኣብ ወርሒ መጋቢት 2017 ዓለማዊ ውድብ ጥዕናን መሻርኽቱን ኣብ ኤርትራ ንዘሎ ስርዓተ-ምቊጽጻር መድሃኒት ኣብ ዝገምገሙሉ፡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ምክትታል ጎድናዊ ሳዕቤናት መድሃኒት፡ ንኹሉ መምዘኒታት ዓለማዊ ውድብ ጥዕና ዘማልአ ኮይኑ ተረኺቡ።

ኤርትራ፡ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ 2016፡ ወከልትን ክኢላታትን 17 ሃገራት ዝተሳተፍዎ፡ ኣብ ምክትታል ጎድናዊ ሳዕቤናትን ብቕዓትን መድሃኒት ዘተኰረ ደረጅኡ ዝሓለወ ስልጠና ምውዳባ ዝዝከር ኮይኑ፡ እዚ ሕጂ ተረኺቡ ዘሎ ዓወት እኩብ ድምር ናይ ኩሉ ክካየድ ዝጸንሐ ጻዕርታት ምዃኑ እዩ ዝግለጽ።

Categories