ባይቶ ዞባ ደቡብ፡ ብ18 መጋቢት ኣብ ዘካየዶ መበል 17 ስሩዕ ኣኼባኡ ዘሕለፎም ውሳነታትን ለበዋታትን – ኣብ ድባርዋ ንህዝቢ ቀሪቦም ኣብ ኣተገባብራኦም ተዘትዩ።

ኣስታት 750 ነበርቲ ከተማ ድባርዋን ወነንቲ ትካላትን ኣብ ዝተረኽቡሉ ርክብ፡ ኣባል ባይቶ ዞባ ደቡብ ኣቶ መሓሪ በርሀ፡ ኣብ ሃገራዊ መደባት ብሓፈሻ፡ ንንኡስ ዞባ ድባርዋ ኣብ ዝምልከት ሓበሬታ ድማ ብፍላይ መብርሂ ሂቡ።



ንውሳነታት ባይቶ ዞባ ብዝምልከት፡ ንዕብየት ቱሪዝም ኣብ ዞባ ደቡብ ቤተ- መዘክር ክህነጽ፡ ምህርቲ ኣሕምልትን ፍረታትን ከምኡ’ውን ምርባሕ ከብቲ ንምምዕባል ጻዕርታት ክካየድ፡ ኣብ ምምእዛን መንእሰያት ዝቐንዐ መደባት ኣቓልቦ ክወሃቦ ዝብሉ ውሳነታት ከምዝሓለፈ ሓቢሩ።

ቅድሚ ክራማት ምእታዉ፡ ምድልዳል መሬትን ንጥፈታት ምዕቃብ ማይን ሓመድን ክካየድ፡ መርዓ ትሕቲ ዕድመን ምኽንሻብን ክውገድ፡ ኣዋጃትን መምርሒታትን መንግስትን ግንባርን ብኣድማዕነት ክትግበሩ ዝብሉ ለበዋታት እውን ከምዝቐረቡ ኣረዲኡ።

ተሳተፍቲ፡ ቀረብ ዝስተ ማይ ንምውሓስ ብመንግስቲ ንዝግበር ዘሎ ጻዕሪ ብምምጓስ፡ ህዝቢ ኣብ መሰረታውያን ቀረባት ዝገብሮ ድጐማ ብዝለዓለ ክደፍኣሉ ተላብዮም።

Categories