ሽማግለ መኸተን ልምዓትን ዞባ ዓንሰባ፡ ኣብ መደባት 2018 ኣገባብ ኣተገባብራኡን ንምዝታይ፡ ብ20 መጋቢት ኣብ ከተማ ከረን ርክብ ኣካዪዱ።

ኣመሓዳሪ ዞባ ዓንሰባ ኣቶ ዓሊ ማሕሙድ፡ ጥብ ዝበለት ማይ ኣብ መዓላ ንኽትውዕል – ወፈራታት ምዕቃብ ማይን ሓመድን ብሰፊሑ ክስራሓሉ፡ ተፈጥሮኣዊ ጸጋታት ዝያዳ ኣቓልቦ ክወሃቦ፡ ዘይተጠርነፈ ህዝቢ ምዕባለ ከረጋግጽ ስለዘይክእል እውን – መስርሕ ምጥርናፍ ዓድታት ብዝለዓለ ክድፋኣሉ ኣተሓሳሲቡ።

ምድልዳል መሬት፡ ምስራሕን ምጽጋንን ጽርግያታት፡ ከምኡ’ውን ምህናጽ ዲጋታት፡ ገለ ካብቶም ክትግበሩ ተወጢኖም ዘለዉ ህንጻውን ልምዓታውን መደባት ምዃኖም ጠቒሱ ድማ፡ ኮማዊ ተሳትፎ ክድንፍዕ ጸዊዑ።

ጸሓፊ ህግደፍ ዞባ ዓንሰባ ኣቶ ረዘነ ኣዶናይ፡ ብሰንኪ ክሊማዊ ምምዝባልን ዘይምዕሩይ ዝርጋሐ ዝናብን – እቶታውነት ሓረስቶት እናተዳኸመ ምምጽኡ ብምዝኽኻር፡ መስኖኣዊ ልምዓት ክድፋኣሉ ከምዝግባእ ኣገንዚቡ።

ተሳተፍቲ፡ መደበር ጥዕና ቀርጸት እትዛዘመሉ ኩነታት ክፍጠር፡ ተጀሚረን ዘይተፈጸማ ኣብያተ-ትምህርቲ መስርሕ ህንጸተን ክቀላጠፍ፡ ሽግር ዝስተ ማይ እንረኩበት፡ ፈንሸበኩን መዓርኪን ቈላሕታ ክግበረሉ ዝብሉ ርእይቶታት ኣቕሪቦም።

Categories