‘ሮራ ድጂታላዊ ቤት-ንባብ’፡ ኣገልግሎት ድጂታላዊ ኣብያተ-ንባብ ኣብ ትካላት- ትምህርቲ፡ ሚኒስትሪታትን ካልኦት መንግስታውያን ትካላትን ንምስፋሕ ዕቱብ ጻዕርታት የካይድ ከምዘሎ ሓቢሩ።

ዳይረክተር ናይ’ቲ ቤት-ንባብ ኣቶ ክፍሎም ሚካኤል፡ ‘ሮራ ድጂታላዊ ቤት- ንባብ’ ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ኤርትራውያንን ማሕበራትን ብዝገብርዎ ገንዘባውን ንዋታውን ደገፍ፡ ኣገልግሎት ድጂታላዊ ቤት-ንባብ ንምውዳድ ፕሮጀክትታት ሓንጺጹ ይሰርሕ ከምዘሎ ብምሕባር፡ ቀንዲ ጠመተኡ ናብ ኣብያተ-ትምህርቲ ዝቐንዐ ከምዝኾነ ኣረዲኡ።

ብከፊል ኣብ ኣብያተ-ትምህርቲ ዞባታት ሰሜናዊ ቀይሕ-ባሕሪ፡ ማእከልን ዓንሰባን ዝተኣታተወ ድጂታላዊ ኣብያተ-ንባብ፡ ኣተባባዒ ውጽኢት ከምእተረኽቦ ድማ ሓቢሩ።



ኣብ ዓዲ-እንግሊዝ ዝመደበሩ ‘ኤራ- ዩከይ’ (ERA-UK) ዝተባህለ ማሕበር፡ ኣገልግሎት ድጂታላዊ ኣብያተ-ንባብ ንምምዕባል፡ “ሓንቲ ታብለት ንሓደ ተማሃራይ” ብዝብል ዕላማ ካብ ቅድሚ ሰለስተ ዓመታት ኣትሒዙ ታብለታት ብምስዳድ ክነጥፍ ምጽንሑ ጠቒሱ ድማ፡ ኣብ’ዚ ዓመት’ዚ ን7 ኣብያተ-ትምህርቲ ዘገልግል ዝተማልአ ድጂታላዊ ቤት-ንባብ ከምዝዓደገን ኣብ ዝተሓረያ ኣብያተ- ትምህርቲ ናይ ምትእትታዉ ዕማም ጥራይ ተሪፉ ምህላዉን ኣብሪሁ።

ኣደ-መንበር ማሕበር ‘ኤራ-ዩከይ’ ወይዘሮ ሰብለ ኤፍሬም፡ እቲ ማሕበር ዝተፈላለየ ንጥፈታት ኣካዪዱ ዝኣከቦ ገንዘብ፡ ምስ ሃገራውያን ማሕበራትን ትካላት መንግስትን ብምውህሃድ ኣብ ህንጸት ሃገር ከምዝውዕል ክገብር ምጽንሑ፡ እዚ ድጂታላዊ ኣብያተ-ንባብ ናይ ምስፋሕ መደብ እውን ኣካል ናቱ ምዃኑ ገሊጻ።

ኣብ 2008 ዝተመስረተ ‘ሮራ ዲጂታል ቤት-ንባብ’፡ ኣብ 2012 ዓቕሚ ደሊቡ ዳግማይ ንጥፈታቱ ከምዝጀመረ ሰነዳቱ የነጽር።

Categories