• ድራማ ግብጺ ኣብ ሳዋን፡ ናይ ሱዳን ዶብ ምዕጻውን ምኽፋትን፡ ዘየስደመሞ የለን። እቲ ጽውጽዋይ ግን፡ ኣብኡ ዝውዳእ ኣይኰነን። ዝኽሪታት ምምሓው ቅዲ ወይ ፋሽን ኰይኑሉ ኣብ ዘሎ መዋእል፤ ሰማዒን ተዓዛቢን ምእንቲ ከስተብህል፤ ጸጸኒሕካ ሓቅታት ምንጋር ኣይጽላእን’ዩ።

• ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሓደ/ጥሪ (ቅድሚ ኣስታት ክልተ ኣዋርሕ)፡ ሃገረ ቐጠር፡ . . . ነቲ ብደገፍ ኢማራት፡ ካብ ኤርትራ ኪመጽእ ንዝኽእል መጥቃዕቲ ንምግጣም፡ ንዕጡቕ ሓይልታት ሱዳን፡ ሰለስተ (3) ሚግ ዝዓይነተን ነፈርቲ፡ ህያብ ሂባ፤ ኣብ ከሰላ ኣሰሊፋተን። ኣብረርተን ከኣ፡ ክልተ መኰንናት ቐጠርን፡ ሓደ ኢትዮጵያዊን እዮም። ነቶም ኣብረርቲን ተልእኾታቶምን ዘመሓድር ከኣ፡ ክፍሊ ድሕነትን ስለያን (‘ኣምን ዎ ሙኻበራት’) ሱዳን’ዩ።

• ኣብ መጀመርያ ወርሒ ለካቲት (ወርሒ ክልተ)፡ ቅድሚ ኣስታት 6 ሳምንቲ፡ ሰዓብቲ ናይ’ቲ ብመሓመድ ጁምዓ ዝፍለጥ እስላማዊ ሰባኺ (ዝርዝር ኣስማት ኣሎ)፤ ካብ ከሰላ ብልዑል ምስጢራውነት፡ ፖለቲካዊን ወተሃደራዊን ንጥፈታቶም ከሰላስሉን፡ ንኣባላቶም ኪዕልሙን ምእንቲ፡ ኣብ ለጋስ ቦታ ቤት- ጽሕፈት ከፊቶም። ምወላ ኣባላቶምን ንጥፈታቶምን፡ ካብ ኤምባሲ ቐጠር ኣብ ካርቱም’ዩ። ኣጋያሺን ዓላሚን ከኣ፡ ክፍሊ ድሕነትን ስለያን ሱዳን’ዩ።

• ኣብ መእተዊ ናይ’ዚ ሒዝናዮ ዘሎና ወርሒ (ኣብ’ዚ ዝሓለፈ ሰለስተ ሳምንቲ ኣቢሉ ማለት’ዩ)፤ ኣምባሳደር ቐጠር ኣብ ካርቱም፡ ራሽድ ብን ዓብዱልራሕማን ኣልኑዐይሚ፡ ዝመርሖ ጉጅለ ወተሃደራዊ መኰንናት ቐጠር፡ ኣብ ዶብ ከሰላ ዘሎ ጸጥታዊ ኩነታትን፡ ነቲ ኣብ’ዚ ቐረባ እዋን ዝቘመ፡ ሃገረ ቐጠር እትምውሎን ክፍሊ ድሕነትን ስለያን ሱዳን ዝከታተሎን፡ ብስም ኣካል ሓባራዊ-ምክልኻል (‘ኣል-ድፋዕ ኣል-ሙሽተረክ’) ሱዳንን-ኢትዮጵያን ዝፍለጥ፡ ናይ ኢትዮጵያን ሱዳንን ወተሃደራዊ ኣሃዱታት ዘቑምዎ ሓይልታት ንምዕዛብን፡ ዑደት ፈጺሙ።

እዚ ኩሉ ሃለኽለኽ፡ ንሃገረ ቐጠር መድለያ’ዶ? ጥራይ ንብል!

ሚኒስትሪ ዜና

22-03-2018 – ኣስመራ

Categories