ኣብ ተራን ኣበርክቶን መንእሰያት ሰራሕተኛታት ኣብ መደባት ልምዓትን መኸተን ዘተኰረ ኣማእዛኒ ሰሚናራት፡ ካብ 12 ክሳብ 16 መጋቢት ኣብ ከተማ መንደፈራ ተኻዪዱ።

ወሃብቲ ሰሚናር፡ ብዘይ ውፉይ ኣበርክቶ መንእሰያት ዝረጋገጽ ዕብየትን ምዕባለን ከምዘየለ ብምጥቃስ፡ ሰራሕተኛታት መንእሰያት ኣብ ኩሉ ዝውጠን መደባት መሪሕ ተራ ክጻወቱ ኣዘኻኺሮም።

ተሳተፍቲ ሰሚናር፡ ንህሉውን ሕሉፍን ጉዕዞ ሃገር ኣጣሚሩ ዝወሃብ ኣስተምህሮታት፡ ተመኲሮን ኣፍልጦን ንምስፋሕ ኣስተዋጽኦ ስለዘለዎ፡ ብዝሰፍሐን በብደረጃኡን ክውደብ ተላብዮም።

ብኻልእ ወገን፡ ሃማመተኤ ዞባ ደቡብ ንኣርባዕተ ኣዋርሕ ብሞያ ዘሰልጠኖም 76 መንእሰያት ሰራሕተኛታት፡ ብ16 መጋቢት ኣመሪቑ።

Categories