ኣብ ንኡስ ዞባ ሰንዓፈ፡ ንመንእሰያት ደቂ-ኣንስትዮ ሰራሕተኛታት መንግስቲን ተመሃሮ ካልኣይ ደረጃ ሶይራን፡ ንኩሉ-መዳያዊ ተሳትፎ ደቂ-ኣንስትዮ ዝምልከት ሰሚናራት ተዋሂቡ።

ሓላፊት ሃማደኤ ዞባ ደቡብ ወይዘሮ ኣበራሽ ሃብታይ፡ ኣብ ንቕሓት ዝተሰረተ ውዳበታት ምሕያል መሰረት ናይ ኩሉ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ኣብ ኩሉ መዳያት ኣድማዕቲ ክኾናን ንመጻኢ ድልዱል ሰረት ከንጽፋን፡ ተሳትፎአን ጥራይ ዘይኮነ ተወዳዳርነተን ኣብ ትምህርቲ ከዕዝዛ ጸዊዓ።

ተመሃሮ ደቂ-ኣንስትዮ ንገስጋሰን ዝዕንቅጽ ድሑር ልምድታት ንምውጋድ ኣብ ዝካየድ ቃልሲ ብንቕሓት ክዋስኣ እውን ተላብያ።

መርዓ ትሕቲ-ዕድመ፡ ምኽንሻብ ጓል-ኣንስተይትን ካልእ ድሑር ልምድታትን ካብቶም ንዕብየትን ምዕባለን ደቂ-ኣንስትዮ ብኣሉታ ዝጸልዉ ዘለዉ ምዃኖም ዝገለጻ ተሳተፍቲ፡ ንምውጋዶም ዝካየድ ዘሎ ጻዕሪ ብዝለዓለ ክድፋኣሉ ኣዘኻኺረን።

Categories