መበል 30 ዓመት ምድምሳስ ናደው እዚን ምሕራር ከተማ ኣፍዓበትን፡ ብ19 መጋቢት ብክብ ዝበለ ድምቀት ተጸምቢሉ።

ኣብ’ቲ ብዝተፈላለየ መሰናድኦታት ዝደመቐ ስነ-ስርዓት፡ ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ኣፍዓበት ኣቶ ኣሕመድ መሓመድ-ኑር ረጅብ፡ ዓመት መጸ ምድምሳስ ናደው እዝን ምሕራር ከተማ ኣፍዓበትን እንጽምብል፡ በቲ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ቅድሚ 30 ዓመታት ኣብ’ዚ ቅንያት’ዚ ዝፈጸሞ ቅያን ኣብኡ ዝተራእየ ጅግንነት ህዝብን ተጋዳላይን እናተሓበንና፡ ሃገርና ንምልማዕ ዝኣተናዮ መብጽዓ ንምሕዳስ ከምዝኾነ ገሊጹ።

“ጽምብል ምሕራር ከተማ ኣፍዓበት፡ መርኣያ ጅግንነት ህዝቢ ኤርትራን መድረኽ ምውርራስን እውን’ዩ” ዝበለ ካብ ዓበይቲ ዓዲ ኣቶ እድሪስ ዓሊ፡ ዕምሪ መግዛእቲ ብምሕጻር፡ ጸሓይ ናጽነት ብምልኣት ክትበርቕ በሪ ዘርሓወ ከምዝኾነ ብምሕባር፡ መንእሰይ ወለዶ ነዚ ታሪኽ’ዚ ብዝግባእ ወሪሱ፡ ብቑዕ ፍልጠትን ሞያን ብምዕጣቕ ንህንጸት ሃገር ዓጸፋ ክሰርሕ ከምዝግባእ ኣገንዚቡ።

በቲ ኣጋጣሚ፡ ኣባላት ‘ማሕበር ምትሕግጋዝ ተጋደልቲን ሓፋሽ ውድባትን ማእከላይ ምብራቕ’ ጨንፈር ንኡስ ዞባ ኣፍዓበት፡ ብምኽንያት ዝኽሪ ምድምሳስ ናደው እዝ፡ ናይ ምውርራስ ታሪኽ መደብ ከምዘካየዱ፡ ወኪል ኤሪና ሓቢራ።

ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ፡ ካብ 17 ክሳብ 19 መጋቢት 1988 ኣብ ልዕሊ ናደው እዝ ብዝፈነዎ በርቃዊ መጥቃዕቲ፡ ነቲ ንልዕሊ 10 ዓመታት ኣብ ግንባር ናቕፋ ዓሪዱ ዝነበረ ልዕሊ 20 ሽሕ ሰራዊትን እልቢ ዘይብሉ ኣጽዋርን ዝዓጠቐ ሰራዊት መግዛእቲ፡ ኣብ ውሽጢ 72 ሰዓታት ምሉእ ብምሉእ ብምድምሳስ ከተማ ኣፍዓበት ሓራ ከምዘውጸኣ ይዝከር።

ኣብ’ዚ ብእንግሊዛዊ ናይ ታሪኽ ተመራማራይ ባዚል ዴቪድሰን “መሰታ ድየን ቤን ፉ” ዝብል ረዚን መግለጺ ዝተዋህቦ ዓወት፡ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ሰለስተ ሶቭየታውያን ኣማኸርቲ፡ ከምኡ’ውን ከም ቢኤም 21 ወንጨፍቲ ሮኬታትን 130 ሚሊ-ሜተር መዳፍዕን ዝርከቦ ስትራተጂካዊ ኣጽዋር ከምዝማረኸ ይፍለጥ።

Categories