ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃን ሃገራት ዞባ ደቡባዊ ኣፍሪቃን፡ ኣቶ ሳልሕ ዑመር፡ ምስ ሰበ-ስልጣን ሪፓብሊክ ማውሪሸስ፡ ኣብ ምምዕባል ክልተኣዊ ዝምድና ዘተኰረ ርክብ ኣካዪዱ።

ኣብ ከተማ ፖርት-ልዊስ ምስ ምክትል ፕረዚደንት ፓራማሲቩም ፒላይቪያፑሪ ኣብ ዝተኻየደ ርክብ፡ ክልቲአን ሃገራት፡ ንኣህጉራዊ ፍትሒን ምዕባለን፡ ኣብ ኣህጉራዊ መጋባእያታት ብሓባራዊ ርድኢትን ርእይቶን ክሰርሓ ኣብ ዘኽእል መዳያት ሓሳብ ንሓሳብ ተለዋዊጦም።

ምስ ቀዋሚ ጸሓፊ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ፡ ሚስተር ቡጋን ኣንቲሽ፡ ሰበ- ስልጣን ሚኒስትሪታት ትምህርትን ሕርሻን፡ ከምኡ’ውን ምስ ዲን ዩኒቨርሲቲ ሕርሻ ብምርኻብ እውን፡ በብጽላቱ ብዛዕባ ዘሎ ተመኲሮን ክግበር ዝከኣል ምትሕግጋዝን ተዛትዩ።

ብኻልእ ወገን፡ ሽማግለ መኸተ ከተማ ዊኒፔግ – ካናዳ፡ ብ18 መጋቢት ኣብ ዝወደቦ ኣብ ህልው ኩነታት ሃገር ዘተኰረ ሰሚናር፡ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝመጸ ዶክተር በርሀ ሃብተጊዮርጊስ፡ ንቐዳምነታት ልምዓታዊ መደባትን መድረኽ ብመድረኽ ዝኸይድ ትግባረኦምን፡ ከምኡ’ውን ንተራ ዜጋታት ኣብ መኸተ ተጻብኦታት ዝምልከት ኣስተምህሮ ሂቡ።

ሃገራዊ ሽማግለ ጀርመን ብወገኑ፡ ንኤርትራውያን ነበርቲ ከተማ ኡሉም፡ “ምህናጽ ውሁድ ኤርትራዊ ኮም” ብዝብል ቴማ ሰሚናር ወዲቡ።

ምሕያል ውዳበ ህዝቢ እምነ-ኲርናዕ ሓይሊ ሃገር ምዃኑ ዝጠቐሱ ኣካየድቲ፡ ንምሕያል ኮም ኣብ ማሕበራዊ ሂወት፡ ከምኡ’ውን ንምግጣም ብድሆታት ስደት ዝምልከት መብርሂታት ኣቕሪቦም።

ኣባላት ሃገራዊ ቤት-ምኽሪ ኤርትራውያን ኣመሪካውያን ኣብ በይ- ኤርያ – ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ድማ፡ ብ17ን 18ን መጋቢት ዋዕላ ኣካዪዶም።

ኣብ’ቲ ወከልቲ ውዳበታት ህግደፍን ሃማደኤን ዝተረኽቡሉ ዋዕላ፡ ኣብ ውህደትን ምትሕግጋዝን ኣብ መንጎ’ተን ውዳበታት ተዘትዩ።

ኣብ’ቲ ኣጋጣሚ ተሳተፍቲ፡ ንመግዝኢ ንኤርትራውያን ተመሃሮ ዘገልግል ኤለክትሮኒካዊ መንበቢ፡ 27 ሽሕን 300 ዶላር ኣበርኪቶም።

Categories