ሓለፍቲ ፖሊስ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ኣፍልጦ ህዝቢ ኣብ ሕጊ ክብ ንምባል፡ ኣብ ጢዖን ኣፋምቦን ሰሚናራት ኣካዪዶም።

ሓላፊ መርመራ ገበን ሜጀር ገብረሂወት ኣርኣያን ሓላፊ ምክልኻል ገበን ሜጀር ክፍለማርያም ገብረክርስቶስን በብወገኖም ኣብ ዘካየድዎ ሰሚናራት፡ ፖሊስ ብዘይ ናይ ህዝቢ ምትሕብባር ተልእኾኡ ብግቡእ ክፍጽም ከምዘይክእል ብምምልካት፡ ምትሕብባር ነበርቲ ክዓዝዝ፡ ተመሃሮ ድማ ክብርታት ሕብረተሰቦም ክወርሱን ሕጊ ፈሊጦም ንነብሶም ካብ ገበን ናጻ ክኾኑን ተላብዮም።

ጸጥታ ንምውሓስ በብከባቢኡ ዝቘመ ኮማዊ ፖሊስ፡ ንርክብ ህዝብን ፖሊስን ዝድርዕ ምዃኑ ጠቒሶም ድማ፡ ምስ ህዝቢ ዝግበር ርክባት ብዝለዓለ ክቕጽልዎ ምዃኖም ኣረዲኦም።

ኣብ መወዳእታ ተሳተፍቲ፡ ኩሉ ሕማቕ ተርእዮ ንምክልኻል፡ ዝምድናኦም ምስ ፖሊስ ከምዘትርሩ ኣረጋጊጾም።

Categories