ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ፡ ተጠቃምነት ዓይኒ-ምድሪ ብምስፋሕ ንጽህና ከባቢ ንምርግጋጽ ክካየድ ዝጸንሐ ንጥፈታት ንምግምጋም፡ ብ12 መጋቢት ኣብ ከተማ ባረንቱ ርክብ ተኻዪዱ።

ኣብ’ቲ ኣመሓደርቲ ንኡሳን ዞባታትን ሰብ-ሞያ ጥዕናን ዝተሳተፍዎ ርክብ፡ ነቲ ስራሕ ኣብ ምክትታል ዝነጥፉ ሞያውያን ኣብ ዘቕረብዎ ጸብጻብ፡ እቲ ንጥፈታት ከም’ቲ ዝተወጠኖ’ኳ እንተዘይኮነ፡ ደረጃ ብደረጃ ጽቡቕ ኣንፈት ሒዙ ይቕጽል ከምዘሎ ተሓቢሩ።

ምትእታትው ዓይኒ-ምድሪ ኣብ ገጠራት ንበይኑ እኹል ከምዘይኮነ ዝጠቐሱ’ቶም ጸብጻባት፡ ግቡእን ውሑስን ተጠቃምነት እውን ብዝለዓለ ደረጃ ክርአ ስለዝግባእ፡ ምምሕዳራት ብዕቱብ ክከተታልዎ ኣዘኻኺሮም።

ተመሓላለፍቲ ሕማማት ምሉእ ብምሉእ ንምቊጽጻር፡ ኣብ ርእሲ’ቲ ኣብ ምትእታትው ዓይኒ ምድሪ ዘድሃበ ንጥፈታት፡ ምርግጋጽ ጽሬት ምንጪ ዝስተ ማይ፡ ምሕላው ጽሬት ከባቢ፡ ምሕደራ ጐሓፍን ድሕነት ኣሰራርሓ ትካላት ጥዕናን እውን ኣቓልቦ ክግበረሉ መተሓሳሰቢ ቀሪቡ።

ኣብ ሚኒስትሪ ጥዕና ሓላፊ ከባብያዊ ጥዕና፡ ዶክተር ዘሙይ ኣለሙ፡ ምርግጋጽ ከባብያዊ ጥዕና ግዜን ልዑል ንቕሓትን ዝሓትት ምዃኑ ብምሕባር፡ እቲ ጽቡቕ ኣንፈት ሒዙ ዘሎ ስርሓት ብዝለዓለ ደረጃ ንኽስጉም፡ ምምሕዳር ዞባ ኣበርክቶኡ ከዕዝዝ ዘለዎ እምነት ገሊጹ።

ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ዞባ ጋሽ-ባርካ፡ ኣቶ ፍራንኮ ኩባባ፡ ከባብያዊ ጽሬት ኣብ ምውሓስ ድሕነት ጥዕና ሕብረተ-ሰብ ዘለዎ ኣበርክቶ ዓቢ ብምዃኑ፡ ምምሕዳር ዞባ ጋሽ-ባርካ ምስ ኩሎም ኣካላቱ ተወሃሂዱ ገስጋሱ ንምሕያል ብዕቱብ ክሰርሕ ምዃኑ ኣረጋጊጹ።

Categories