ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ኣምባሳደር መሓመድ-ስዒድ ማንታይ፡ ኣብ ንኡስ ዞባ ኣራዕታን ደቡብ ደንካልያን ምስ ዝነጥፉ ሰራሕተኛታት ኣካላት መንግስትን ኣባላት ህግደፍን ርክብ ኣካዪዱ።

ናይ ስራሕ ዲስፕሊን፡ ውህደትን ምምልላእን ምስ ተገልገልቲ – ኣብ ምዕዋት ዕላማታት መሰረታዊ ምዃኑ ዝጠቐሰ ኣምባሳደር መሓመድ-ስዒድ፡ ተራ ሓለፍቲ ኣብ ምህናጽን ምዂስኳስን ከም’ዚ ዝበለ ምቹእ ሃዋሁው ብዕቱብ ክስራሓሉ ኣዘኻኺሩ።

ኣምባሳደር መሓመድ-ስዒድ፡ ዝወጽእ መምርሒታትን ኣዋጃትን፡ ንኹሉ ብማዕረ ዝጸሉን ዘርብሕን፡ ንዝተወሰነ ትካል ወይ ኣካል ጥራይ ዘይምልከት ምዃኑ ብምሕባር፡ ንቕሓት ህዝቢ በሪኹ ትግባረኡ ንምርግጋጽ ብውህደት ክዕየ ተላብዩ።

ጸሓፊ ህግደፍ ኣብ’ቲ ዞባ፡ ኣቶ ኣደም ዓሊ እውን፡ እቲ ኣብ ትካላት መንግስትን ግንባርን ዘካይድዎ ውድባዊ ስርሓት – ብቐንዱ ተዋፊሮምሉ ኣብ ዘለዉ ስራሓት ዕዉት ንጥፈታት ከሰላስሉን ኣብ ምልዋጥ ከባቢኦም መሪሕ ተራ ክጻወቱን ዝዓለመ ብምዃኑ፡ ኣብ ትግባረ መደባት ልምዓት ዝያዳ ሓላፍነት ከምዘለዎም ኣገንዚቡ።

Categories