ኣብ ምምሕዳር ከባቢ ማሬት – ንኡስ ዞባ ናቕፋ፡ ካብ መፋርቕ ናይ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ ኣትሒዙ፡ ኣብ ምህናጽ ራህያን ምጽጋን ጽርግያን ዘተኰረ ኮማዊ ወፈራታት ይካየድ ኣሎ።

እቶም ወፋሮ፡ ውሕስነት ማይን መጓዓዝያን ንምርግጋጽን ጸጋታት ከባቢኦም ናብ ረብሓኦም ንምውዓልን፡ መንግስቲ ብዝገበረሎም ንዋታዊ ደገፍ፡ ጸገማቶም በብቐዳምነታቱ ንምፍታሕ ይነጥፉ ከምዘለዉ ገሊጾም።

ኣመሓዳሪ’ቲ ምምሕዳር ከባቢ ኣቶ ዓሊ መሓመድ-ዓብደላ፡ ኣቐዲሙ ብተመሳሳሊ ወፈራታት ዝተሰላሰለ ስራሓት ውጽኢታዊ ምንባሩ ብምጥቃስ፡ ተበጋጊሱ ንዘሎ ምስራሕ ራህያን ምጽጋን ናይ ሓመድ ጽርግያን እውን ቅድሚ ክራማት ንምዝዛሙ ጻዕርታት ይካየድ ከምዘሎ ኣረዲኡ።

ብዘይካ’ዚ፡ ኣብ ከተማ ናቕፋ ዘጋጠመ ሕጽረታት ማይ ንምፍታሕ፡ ብምትሕብባር ምምሕዳር ንኡስ ዞባ ናቕፋን ህዝቢን ፕሮጀክት ጽሩይ ዝስተ ማይ ይዋደድ ከምዘሎ፡ ወኪል ኤሪና ሓቢሩ።

እቲ ፕሮጀክት፡ ምዂዓት ዒላ፡ ምዝርጋሕ ሻምብቆታት ማይን ምህናጽ መዐደሊ ማይ ነቚጣታትን ዘጠቓለለ እዩ።

Categories