ኣብ ሳዋ እትርከብ 2ይ ደረጃ ቤት-ትምህርቲ ዋርሳይ-ይከኣሎ፡ ካብ ዝተፈላለያ ዞባታት ዝመጹ ሓለፍቲ ጨናፍር ሚኒስትሪ ትምህርቲን ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላትን ኣብ ዝተረኽቡሉ፡ ብ14ን 15ን መጋቢት ዓመታዊ ገምጋም ንጥፈታታ ኣካዪዳ።

ርእሰ-መምህር ናይ’ታ ቤት-ትምህርቲ መምህር ቀሊት ግርማይ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፡ ሎሚ ዓመት ካብ ኣስታት 100 ናይ 2ይ ደረጃ ኣብያተ-ትምህርቲ ዝመጹ ልዕሊ 12,300 ተመሃሮ ከም እተቐበሉ ጠቒሱ፡ መገብቲ ኣብያተ- ትምህርቲ ኣብ ምልኣኽ ምሉእ ሓበሬታ ናይቶም ዝልእካኦም ተመሃሮ ዘለወን ሃጓፋት ክእርማ ኣዘኻኺሩ።

መምህር ቀሊት ወሲኹ፡ ትሑት መጠን ምሕላፍን ትሑት ሱታፌ ደቂ- ኣንስትዮን ዘለወን ኣብያተ-ትምህርቲ ፍሉይ ቈላሕታን ምክትታልን ክግበረለን፡ ውጽኢት ኣሕደርቲ ኣብያተ-ትምህርቲ ንምሕያል ክስራሓሉ፡ ከምኡ’ውን ኣብያተ- ትምህርቲ ውጽኢት ተማሃሮአን ክከታተላ ተላብዩ።

ሚኒስተር ትምህርቲ ኣቶ ሰመረ ርእሶም፡ ኣብ’ቲ ገምጋማዊ ኣኼባ – ኣብ ኩሉ ከባቢታት ሃገር ዝነጥፉ ተግበርቲ ኣካላት ምስታፎም፡ ዝጸንሐ ጉድለታትን ሕጽረታትን ንምእራምን ብልጫታት ንምዕቃብን ሓጋዚ ምዃኑ ገሊጹ።

ተሳተፍቲ ኣብ መወዳእታ፡ ትምህርቲ መዘና ክድፋኣሉ፡ ኣብ ቤት-ትምህርቲ ዋርሳይ-ይካኣሎ ዝርከባ ኣርባዕተ ኣብያተ-ንባብ እኹል መጻሕፍቲ ክቐርበለን ዝብልን ካልእን ርእይቶታት ኣቕሪቦም።

Categories