ኣብ ዞባ ማእከልን ከተማ ባጽዕን፡ ኣብ ሃገርና ብዛዕባ ዘሎ ጸጋታት ብመንጽር ቱሪዝማዊ ስሕበት – ኣፍልጦ ተመሃሮ ክብ ንምባል ኣስተምህሮ ተወዲቡ።

ብጨንፈር ሚኒስትሪ ቱሪዝም ዞባ ማእከል ኣብ ዝተወደበ ኣስተምህሮ፡ ትርጉምን ኣምርን ቱሪዝም፡ ቱሪዝማዊ ስሕበት ብዓይኒ በጻሕቲ፡ ኤርትራ እትውንኖ ቱሪዝማዊ ኣገዳስነት ዘለዎ ጸጋታት፡ ዘቤታዊ ቱሪዝምን ኣገዳስነቱን፡ ኣብ ዝብሉ ኣርእስትታት ሰፊሕ መብርሂ ተዋሂቡ።

ኣብ’ቲ ጨንፈር ሓላፊት ጐስጓስን ሓበሬታን ወይዘሮ ኤልሳ ርእሶም፡ ኤርትራ -እትውንኖ ሰላምን ምቕሉል ሕብረተ-ሰብን፡ ከምኡ’ውን ተፈጥሮኣውን ታሪኻውን ጸጋታት ሰሓቢት ከምዝገብራ ብዝርዝር ኣረዲኣ።

ብተመሳሳሊ፡ ብጨንፈር ሚኒስትሪ ቱሪዝም ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ዝተወደበ፡ ተመሃሮ 2ይ ደረጃ ከተማ ባጽዕ ኣፍልጦኦም ኣብ ጥንታውን ታሪኻውን ቦታታትን ቅርስታትን ክብ ንምባል ዝዓለመ ኣስተምህሮ፡ ብ12ን 13ን መጋቢት ተዋሂቡ።

ኣብቲ ጨንፈር ሓላፊ መጽናዕትን ምክትታልን ጸጋታት፡ ኣቶ ኣብርሃም ተስፋማርያም፡ እቲ ዞባ ሃብታም ቱሪዝማዊ ጸጋታት ስለዘለዎ፡ ብግቡእ ንምፍላጡን ንምዕቃቡን ንቑሕ ተሳትፎ ዜጋታት ብሓፈሻ፡ ናይ መንእሰያት ድማ ብፍላይ ኣገዳሲ ምዃኑ ገሊጹ።

ተመሃሮ ብወገኖም፡ እቲ ኣስተምህሮ ውጽኢታዊ ክኸውን፡ ቱሪዝማዊ ቦታታትን ጸጋታትን ብኣካል ንምዕዛብ፡ ዑደት ብቐጻሊ ክውደብ ተላብዮም።

Categories