ገዲም ተጋዳላይ፡ ስነ-ጥበባዊ ብርሃነ ሃብተጼን (ወዲ ኣኸዛ)፡ ብዝሓደሮ ሕማም ብ15 መጋቢት ኣብ መበል 64 ዓመት ዕድመኡ ተሰዊኡ።

ኣብ 1974 ናብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ፡ ኣብ 1977 ድማ ናብ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ዝተጸንበረ ስነ-ጥበባዊ ብርሃነ፡ ፈለማ ከም ተዋጋኢ ሰራዊት፡ ድሒሩ ድማ ናብ ብርጌድ 77 ኣብ ኣሃዱ ባህሊ ተመዲቡ ዝተቓለሰ ሓርበኛ እዩ።

ድሕሪ ናጽነት ድማ፡ ኣብ ባህላዊ ጉዳያት ህግደፍ ተጠርኒፉ፡ ክሳብ ዕለተ መስዋእቱ ስነ-ጥበብ ሃገርና ኣብ ምምዕባል ብተወፋይነት ከገልግል ጸኒሑ።

ስዉእ ስነ-ጥበባዊ ብርሃነ ሃብተጼን (ወዲ ኣኸዛ)፡ በዓል ሓዳርን ኣቦ ሰለስተ ደቂን እዩ። ስነ-ስርዓት ቀብሩ፡ ትማሊ 16 መጋቢት ኣብ መቓብር ሓርበኛታት ኣስመራ ተፈጺሙ።

ባህላዊ ጉዳያት ህግደፍ፡ ብመስዋእቲ ገዲም ኣባሉ ዝተሰመዖ መሪር ሓዘን እናገለጸ፡ ንስድራ-ቤቱ፡ መቓልስቱን ፈተውቱን “ጽንዓት ይሃብኩም” ይብል።

Categories