ኣብ ከተማ ሓጋዝ፡ ንመምርሒታትን ኣገባብ ኣከፋፍላን ግብሪ ብዝምልከት፡ ምስ ወነንቲ ትካላት ወሃብቲ ኣገልግሎት ርክብ ተኻዪዱ።

ሓላፊ ቤት-ጽሕፈት ኣታዊ ውሽጢ ሃገር ኣብ ንኡስ ዞባ ሓጋዝ፡ ኣቶ ዘርኣስላሴ ሃይሉ፡ ኣብ ዓይነታት ግብሪ፡ ደረጃታት ከፈልቲ ግብሪ፡ ኣብ መምርሒታት ግብሪን ካልእ ምስኡ ዝተኣሳሰር ጉዳያትን ሰፊሕ መብርሂ ሂቡ።

ሓላፊ ጨንፈር ምስናዕ ዞባ ዓንሰባ ኣቶ መንግስትኣብ ሳሙኤልን ሓላፊ ጨንፈር ንግዲ ኣቶ ሃብቶም ሰመረን እውን፡ ንኣጠቓቕማን ዕላማታትን ፍቓድ ንግዲ፡ ኣገባብ ኣተሓዳድሳን ምድስካልን ፍቓድ ንግዲ ዝምልከት መግለጺ ሂቦም።

ኣብ ንኡስ ዞባ ሓጋዝ፡ 580 ትካላት ወሃብቲ ኣገልግሎት ከምዘለዋ ተፈሊጡ።

Categories