ሃገራዊ መልቀቒ ፈተና ካልኣይ ደረጃ (ማትሪክ) 2018፡ ካብ 19 ክሳብ 24 መጋቢት ኪካየድ ምዃኑ፡ ማእከል ፈተና ሃገራዊ ኢንስቲትዩት ላዕለዋይ ትምህርትን ምርምርን ሓቢሩ።

እቲ ፈተና፡ ኣብ ኤርትራ ኣብ ዞባታትን ሳዋን፡ ኣብ ስዑዲ-ዓረብ ድማ ኣብ ሪያድን ጅዳን ከም ዝወሃብ ዝጠቐሰ’ቲ እንስቲትዩት፡ ሎሚ ዓመት 50.5 ሚእታዊት ደቂ-ኣንስትዮ ዝርከባኦም 14,437 ከምዝፍተኑ ገሊጹ።

ተፈተንቲ፡ 12,121 ካብ ቤት- ትምህርቲ ዋርሳይ ይከኣሎ – ሳዋ፡ 1,745 ካብ ኣብያተ-ትምህርቲ ቴክኒክ፡ ሕርሻ፡ ንግዲን ምምህርናን፡ 217 ካብ ኣህጉራውያን ኣብያተ-ትምህርቲ ማሕበረ-ኮማት ኤርትራውያን ኣብ ሪያድን ጅዳን ክኾኑ እንከለዉ፡ ዝተረፉ 345 ድማ ዳግማይ ዝፍተኑ ምዃኖም ተሓቢሩ።

ኣብ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ሃገራዊ መልቀቒ ፈተና ካልኣይ ደረጃ፡ 6937 ደቂ-ኣንስትዮ ዝርከባዎም 13,540 ተፈተንቲ ምስታፎም ይፍለጥ።

Categories