ኣብ ንኡስ ዞባ ድባርዋ፡ ኣብ ትግባረ ዝተወጠኑ መደባት ልምዓትን ኮማዊ ተሳትፎን ዝዝቲ ርክባት፡ ካብ 21 ለካቲት ክሳብ 11 መጋቢት ኣብ 28 ምምሕዳራት ከባቢ ተኻይዱ።

ኣመሓዳሪ’ቲ ንኡስ ዞባ ኣቶ ፍረወንጌል ተኽለሃይማኖት፡ ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ ብዛዕባ ዝዕመሙን ንትግባረ ዝበጋገሱን ዘለዉ መደባት ልምዓት፡ ንጥፈታት ምዕቃብ ማይን ሓመድን፡ ተሳታፍነት ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ትምህርቲ፡ ከምኡ’ውን ምኽፋል ግብሪ መሬትን ጥሪትን ድሕሪ ዝሃቦ መብርሂ፡ ብቐንዱ መነባብሮ ህዝቢ ንምምሕያሽ ዝዓለሙ ስለዝኾኑ፡ ነበርቲ በብከባቢኦም ውዳበታቶም ብምሕያል ኣበርክቶኦም ከዕዝዙ ትጽቢት ከምዝግበር ኣገንዚቡ።

ኣብ ርሑቕ ከባቢታት ዝርከባ ደምበታት ተጠርኒፈን ማሕበራዊ ኣገልግሎት ዝረኽባሉ ባይታ ንምፍጣር፡ ኣብ’ዚ ዓመት’ዚ ክትግበሩ ተወጢኖም ካብ ዘለዉ መደባት ምዃኖም ዝጠቐሰ ኣቶ ፍረወንጌል፡ ምዝርጋሕ ኣገልግሎታት ኤሌክትሪክ፡ መስመራት ማይን ጽርግያን እውን ጀረጃ ብደረጃ ክስራሓሉ ምዃኑ ኣብሪሁ።

ንኡስ ዞባ ድባርዋ፡ ኣብ 28 ምምሕዳራት ከባቢ ዝጥርነፋ 82 ዓድታትን ልዕሊ 90 ሽሕ ነበርቲን ኣለዋ።

Categories