ኣብ ገልዓሎ፡ ጥቕሚን ሳዕቤናት ጉድለትን ‘ኣዮዲን’ ብዝምልከት፡ ንተማሃሮ ማእከላይን ካልኣይን ደረጃ ኣስተምህሮ ተዋሂቡ።

ሓላፊ ማእከል ጥዕና ገልዓሎ ነርስ ሙሉጌታ ታረቀ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ጉድለት ኣዮዲን ኣብ ጥዕና ሰብን ጥሪትን ዓቢ ሃስያ ከምዘውርድ ጠቒሱ፡ ኣዮዲን ዝተሓወሶ ጨው ምዝውታር፡ ካብ ዝተፈላለየ ሕዱር ሕማማት ከምዝከላኸል ኣረዲኡ።

ብዝግበር ዘሎ ጐስጓስን ዝወሃብ ጥዕናዊ ኣስተምህሮታትን፡ ተጠቃምነት ኣዮዲን ዝተሓወሶ ጨው እናዓበየ ይመጽእ ከምዘሎ ብምሕባር፡ ተመሃሮ ብፍላይ ኣፍልጦኦም ብምብራኽ ጸላዊ ተራ ክጻወቱ ኣዘኻኺሩ።

ተሳተፍቲ፡ ኣዮዲን ዝተሓወሶ ጨው ብዝግባእ ክጥቀሙሉን ካልኦት ክጥቀሙሉ ክጉስጉሱን ምዃኖም ኣረጋጊጾም።

Categories