ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝነብሩ ዜጋታት፡ ኣብ ንኡስ ዞባ ማይ-ዓይኒ ንእትነብር – ከቢድ ስንክልና ዘለዎም ሓሙሽተ ቈልዑ ዘለውዋ ስድራ-ቤት ኣቶ ሳልሕ ኣሕመድ፡ ገንዘባዊ ሓገዝ ኣበርኪቶም።

በዚ መሰረት፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ፈይስ-ቡክ፡ ዩትዩብን ትዊተርን ናይ ዝነጥፍ ጉጅለ ፓልቶክ “ኢ.ፒ.ኤል.ኤፍ – ህግደፍ ቪዥን ሩም” ኣባላትን ተኸታተልትን ዝኾኑ፡ ኣብ ኣመሪካ፡ ኤውሮጳ፡ ማእከላይ ምብራቕን ካልኦት ሃገራትን ዝነብሩ ዜጋታት ዘዋጽእዎ 17 ሽሕ ዶላር፡ ኣብ ንግዳዊ ባንክ ኤርትራ ኣብ ዝርከብ ሕሳብ ኣቶ ሳልሕ ኣሕመድ ኣታዊ ገይሮም።

ኣባል’ቲ ጉጅለ – ተቐማጣይ ሽወደን ኣቶ ዳኒኤል ሃይለ ንኤሪና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ንኩነታት ናይ’ቲ ዜጋ ብኤሪ- ቲቪ ምስ ተኸታተሉ ነቲ ተበግሶ ከምዝወሰዱዎ ብምጥቃስ፡ መቐጸልታ ናይ’ቲ ነዊሕ ሰረት ዘለዎ ናይ ምትሕግጋዝን ምድግጋፍን ጭዋ ባህሊ ህዝቢ ኤርትራ ከምዝኾነ ገሊጹ።

ኣቶ ሳልሕ ኣሕመድ፡ ዕለታዊ ንጥፈታቱ ከሰላስልን ደቁ ክሕክምን ክሽገር ምጽንሑ ብምሕባር፡ ንኹሎም ሓገዝ ዝገበሩሉ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዝቕመጡ ዜጋታትን ኣካላት መንግስትን ምስጋናኡ ኣመሓላሊፉ።

ጽጉማት ወገናት ንምሕጋዝ ብዝብል ዕላማ ቅድሚ ክልተ ዓመት ዝተመስረተ ጉጅለ ፓልቶክ “ኢ.ፒ.ኤል.ኤፍ – ህግደፍ ቪዥን ሩም”፡ ኣቐዲሙ እውን ስንክልቲ ክነሳ ስንኲላን ስድራ-ቤት ንእትኣሊ ኣብ ማይ-ሓባር እትነብር ወይዘሮ ኣስካሉ ገብረመስቀል 11 ሽሕ ዶላር ከምዘበርከተ ይፍለጥ።

ኣባላት ጨንፈር ህግደፍ ኣብ ጀኔቫ – ስዊዘርላንድ እውን፡ ንተመሳሳሊ ዕላማ ዝውዕል 450 ዶላር ከምዝለኣኹ ተሓቢሩ።

Categories