ኣዛዚ ፖሊስ ዞባ ጋሽ-ባርካ ኮሎኔል ሰለሙን ኣስፍሃ፡ መንእሰያት ተመሃሮ ኣብ ሕጊ ዘለዎም ንቕሓትን ኣፍልጦን ብምዕባይ፡ ኣብ ምክልኻል ገበንን በደላትን ተራኦም ንኸዕዝዙ – ንተመሃሮ ኣሕዳሪት ቤት-ትምህርቲ ሞጎራይብ-ጎኘ ሰሚናር ኣካዪዱ።

ኮሎኔል ሰለሙን፡ ኣብ ድሕረ- ባይታ ሕግን ፖሊስን፡ ዓይነታት ሕጊ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ገበናትን ምክልኻሎምን ኣትኲሮ ብምግባር ሰፊሕ መብርሂ ሂቡ።

ቀንዲ ዕማማት ፖሊስ፡ ኣብ ምክልኻል ገበን፡ ምጽራይ ገበንን ምክትታል ትራፊካዊ ምንቅስቓስን ዘድሃቡ ምዃኖም ዝሓበረ ኮሎኔል ሰለሙን፡ ገበናት ንኸይፍጸሙ ብምትሕብባር ፖሊስን ህዝብን ዝካየዱ ንጥፈታት የድምዑ ስለዘየለዉ፡ ብቐንዶም ኣብ ምዂስኳስ ክብርታት ሕብረተሰብ ዘተኰሩ ጐስጓሳት ብዝሰፍሐ ደረጃ ክቕጽሉ ምዃኖም ገሊጹ።

ርእሰ-መምህር ኣሕዳሪት ቤት- ትምህርቲ ሞጎራይብ-ጎኜ መምህር ክብሮም ኣስመሮም ብወገኑ፡ እቲ ኣስተምህሮ መቐጸልታ ናይ’ቲ ጐድኒ-ጐድኒ ኣካዳምያዊ ትምህርቲ ዝወሃብ – ንቕሓት መንእሰያት ዘሐይል መደባት ምዃኑ ጠቒሱ፡ ኣብ ምምእዛን ተመሃሮ ልዑል ተራ ስለዘለዎ ቀጻልነት ክህልዎ ኣዘኻኺሩ።

ኣሕዳሪት ቤት-ትምህርቲ ሞጎራይብ-ጎኜ፡ ኣብ ርሑቕ ከባቢታት ንዝነብሩ ህጻናት ተማሃሮ ከተገልግል – ኣብ 1994 ኣብ ምምሕዳር ከባቢ ሃተርድዋር ብ42 ተመሃሮ ስርሓ ዝጀመረት ኮይና፡ ኣብ’ዚ ግዜ’ዚ 500 ደቂ-ኣንስትዮ ንዝርከባኦም 1346 ሓደርቲ ተመሃሮ ናይ ማእከላይን ካልኣይን ደረጃታት ተአንግድ ኣላ።

Categories